ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባን ልዕሊ 500 መንእሰያትን ብሓባር ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት አካይዶም


ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ልዕሊ 500 መናእሰይ እታ ከተማ ብሓባር ብምዃን ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ኣካይዶም።

ኣባለት እቲ ጉጅለ ምስ ኣመራርሓን መናእሰይን ከተማ መቐለ ተዘራሪቦም ብተወሳኺ እውን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታትን ቤተመንግስቲ ሃፀይዮሃንስ ዑደት ገይሮም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ዶ/ር ሰለሞን ኪዳነ ዕላማ’ቲ ዑደት ኣብ መንጎ መንእሰያት ክልቲኦም ከተማታት ኩለንተናዊ ዝምድና ንምምዕባልን ኣብ መበል 44 ምስረታ ህውሓት ንምክፋልን ምኳኑ ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኢንጂነር አርአያ ግርማይ ድማ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ እቶም መንእሰያት ክላለዩን ክራኸቡን ንዘካየድዎ ጻዕርታት ኣመስጊኖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG