ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: 73% ካብ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ብኦሚክሮን ምዃኑ ተገሊጹ


ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ፡ 73% ዝሓለፈ ሰሙን ብቫይረስኮሮና ካብ ዝተታሕዙ ብኦሚክሮን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣመሪካ ፈላማይ ብኦሚክሮን ዝሞተ ሰብኣይ ድማ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ክፍለ-ግዝኣት ቴክሳስ ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ።

ብመሰረት ሰበ-ስልጣን ጥዕና እቲ ብኮሮናቫይረስ ፈልቂ ኦሚክሮን ዝሞተ ሰብ ኣብ ከባቢ 50 ዕድመ ዝርከብ ዘይተኸትበን ናይ ጥዕና ጸገም ዝጸንሖን`ዩ።

ሕጂ ዝሓለፈ ሰሙን 73 % ካብ ብኮሮና ዝተሓዙ ሰባት በቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ፈልቂ ኦሚክሮን ምዃኖም ዝጠቐሰ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣመሪካ(ሲዲሲ) ካብ `ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ብ6% ምውሳኹ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብሰንኪ`ዚ ቅልጡፍ ለብዒ ኦሚክሮን፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ወይ ናብ ዝነበርዎ ገደብ ኮሮናቫይረስ ወይ ሓዲሽ መምርሕታት ኣብ ምውጻእ ይረከቡ።

ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከንቲባ ማውሪል ባውሰር፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ግድን ማስክ ክግበር ዝእዝዝ መምርሒ ኣውጺኣ`ላ። ከንቲባ ቦስተን ሚሸል ዉ ድማ፡ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኩሎም ናብ ኣብያተ መግቢ ኣብያተ መስተ ከምኡ መዘናግዒ ቦታታት ካልኦት ኣብያተ ንግድን ዝኣትዉ ሰባት ዝተኸተብሉ ወረቐት ከርእዩ መምርሒ ኣውጺኣ`ላ።

ኣብ ዙርያ ኣመሪካ ዝርከባ ሆስፒታላት ብዝውስኹ ዘለዉ ሕሙማት ኮቪድ ከምኡ ጸገም ዋሕዲ ኣለይቲ ሕሙማት ክጨናነቓ ከምዝጀመራ ይግለጽ'ሎ ። ኣመሓደርቲ ብርክት ዝበላ ግዝኣታት፡ ሕጽረት ንዘጋጠመን ሆስፒታላት ንምሕጋዝ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ኣንቀሳቒሶም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውሑዳት ደቡባዊ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ኦሚክሮን ሕጂ ኣብ ኣስታት 90 ሃገራት ምርኣዩ፡ ንንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ተድሮስ ኣድሓኖም፡ ሰባት ናይ ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ጉዕዞታቶም ክስርዙ ንክጽውዕ ጌረዎ`ሎ። ዶ/ር ተድሮስ ሎሚ ኣብ ጀነቫ ንሪፖርተራት ክዛረብ ከሎ፡ ህይወት ካብ ምስራዝ ውራይ ምስራዝ ይሓይሽ ኢሉ።

ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ብምኽንያት ምልባዕ ኦሚክሮን፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ስፖርታዊ ውድድራትን ናይ ሙዚቃ ምርኢታትን ክናውሑ ወይ ክስረዙ ኮይኖም ኣለዉ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ ንጥሪ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ መራሕቲ ዓለማዊ ኤኮኖሚያዊ መድረኽ፡ ንክፋላ ዓመተ 2022 ኣቢሉ ተደፊኡ`ሎ።

፨፨፨፨፨

XS
SM
MD
LG