ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ 55 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንኣፍሪቃ ተመባጺዓ


49 መራሕቲ ሃገራትን ልኡኻትን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ርክብ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዋሺንተን ዲሲ ተጀሚሩ'ሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኣመሪካ ንኣፍሪቃ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝሳለጥ 55 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትህብ ምዃና ኣማኻሪ ጸጥታ ጀክ ሱሊቫን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ጽባሕ ረቡዕ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ርክብ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉጅለ 20 ዝኣትወሉ መገዲ ክገልጽ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽኡ ናብ ኤስያ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን በጺሖምን ዝምድናኦም ምስቲ ዞባ ኣደልዲሎምን እኳ እንተዀኑ፡ ብተመሳሳሊ ናብ ኣፍሪቃ በጺሖም ተመሳሳሊ ተልእኾ ክፍጽሙ’ውን ትጽቢት ከም ዝግበር ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ምምሕዳር ባይደን ንኣፍሪቃ ዘምዓድወሉ ሓደ ምኽንያት ጽልዋ ቻይናን ሩስያን ንምግታእን ኣብቲ ቦታ ተወዳዳሪ ንምዃንን ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

መራሕቲ ኣመሪካ ግን ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ፖሊሲ ቻይና ኣመልኪቶም ከም ዘይዝትዩ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ኣማስያኡ ምስ ኣውፈርቲን መሃዝቲን ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሩዎ ጸንሖት፡ መንግስቶም ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ኣፍሪቃን መጻኢ መራሕቲ እታ ኣህጉርን ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጦም። ብሊንከን ኣብ መደረኦም ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ማዕርነትን ሓባራዊ ረብሓትን ዝተመስረተ ዝምድና ክፈጥሩ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ናብዚ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ መጺኦም ዘለዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ካብ American Academy of Achievements ከምኡ’ውን Global Hope Coalition ዝተባህላ ትካላት መሪሕነቶም ኣብ ሓምላይ ልምዓት ብዝግበሮ ዘሎ ስራሕ ፍሉይ ናይ ክብሪ ሽልማት ተቐቢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነቲ ሽልማት ትማሊ ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝተጋብአ ስነ-ስርዓት ተቐቢሎሞ።

XS
SM
MD
LG