ዋሽንግተን —
ኣመሪካ ዩክሬን ካብ ወረራ ሩስያ ንገዛእ ርእሳ ትከላኸለሉ 3-ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወትሃደራዊ ድጋፍ ከምትልግሰላ ተፈሊጡ።
እዚ ዳሕረዋይ ወትሃደራዊ ድጋፍ ንዩክሬን፣ አብ ልዕሊ’ቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቃን ዝለገሰቶ ልዕሊ 10-ቢልዮን ዶላር ምኳኑ ዝዝከር እዩ።
በዓል-መዚ ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታገን) ኮሊን ካል እዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ ንዩክሬን ኣብ ዝቅጽላ ሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ከምዝኾነ ጠቂሱ።
ካብ ትካል መጽናዕቲ ኣመሪካ ኢቫና ስትድነር "እቲ ውግእ፣ ውግእና እዩ። ዩክሬን እያ ትዋገአልና ዘላ። እዚ ውግእ’ዚ ናይ ብሓቂ ንመጻኢ ጊዜ ዝህልው ምልካዊያን ዴሞክራሲያዊን ምሕደራታት ዝውስን እዩ" ትብል።