ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ 250 ታንክታት ንፖላንድ ከምትሸይጥ ኣፍሊጣ


ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ናይ ፖላንድ ምብጻሕ
ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ናይ ፖላንድ ምብጻሕ

ኣመሪካ 250 MI ABRAMS ዝዓይነትን ናይ ውግእ ታንክታት ንፖላንድ ከም እተሸጠላ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ኣፍሊጦም።ወጥሪ ዩክሬንን ሩሲያን ኣብ ዝሓየለሉ ሕጂ እዋን እቲ መሸጣ ምክያዱ ንናይታ ሃገር ፀጥታ ንምድንፋዕ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ልዮድ ኦስቲን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዋርሶ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ንሶምን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ብዛዕባ እቲ ትልሚ ንኮንግረስ ከምዘፍለጡ ሓቢሮም።

ኦስቲን "እዘን ታንክታት ዝግዕዛሉ ግዜ ብዝምልከት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርርብ ይካየደሉ ኣለዎ’’ ኢሎም ።

ፖላንድ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ብኣስታት 6 ቢሊዮን ዶላር ነዘን ታንክታት ካብ ኣመሪካ ከምእትዕድግ ገሊፃ እንተነበረት እውን እቲ መሸጣ ክጓተት ፀኒሑ እዩ።

XS
SM
MD
LG