ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ 24 ድሩዓት ወታሃደራዊ መካይን ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ኣፍሪቃ ወፍያ


ወታሃደራዊ መካይን ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ- ፋይል
ወታሃደራዊ መካይን ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ- ፋይል

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ንዝርከብ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝውዕላ 24 ድሩዓት መካይን ብሓገዝ ወፍያ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ብኣመሪካ ዝድገፍ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ድሕሪ ዘጋጠሞ ከቢድ መጥቓዕቲ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ።

እቲ ርኽክብ ሎሚ ሓሙስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማል ላሪ ኣንድረንን ላዕለዎት ሰበስልጣን ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሞቓድሾ ተፈፂሙ።

እቲ ሓገዝ ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ዘካይድዎ ስርሓት ዘሐይል እዩ ተባሂሉ'ሎ።

እተን ፍሉያት ድሩዓት መካይን ኣብቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ይሳተፉ ዘለው ወታሃደራት ጅቡቲ ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልን ክጥቀሙለን እዮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣንፃር ዕጡቓት ኣብ ዝካየድ ግጥም ዝሕግዙ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሶማል ክዋፈሩ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ምእዛዞም'ውን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG