ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: ጣሊባን ንዋና ከተማ አፍጋኒስታን ካቡል ከምዝተቆጻጸረ ኣፍሊጣ


ከተማ ካቡል
ከተማ ካቡል

ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ ዋና ከተማ አፍጋኒስታን ኣብ ዝኣትውሉ ሰራዊት ኣመሪካን ኤምባሲ ኣመሪካን ኣብታ ከተማ ዘሎ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ተቆጻጺሩ ከምዘሎ ኣፍሊጦም::

መራሕቲ ጣሊባን ሎሚ ሰንበት ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ምፍራሱን ዓወት ምጉንጻፎም ገሊጾም ኣለው::

ይኹን ደአ እምበር ጣሊባን ንገለ ክፍልታት ከተማ ካቡል ምቁጽጻሩ እንተገለጸ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ግን ኤምባሲ ኣመሪካን ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ'ታ ከተማን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝርከብ ሓቢሮም ኣለው::

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ስሙ ክዕቐበሉ ዝደለየ በዓል መዚ ኣመሪካ "ሰራዊትና ናብቲ ቦታ ምእታው ቀጺሎም ኣለው:: ኤምባሲን ሓሚድ ካርዛይ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና'ዩ ዘሎ" ኢሎም""

ኣስታት 3 ሽሕ ወታሃደራት ኣመሪካ ካብ ዓርቢ ጀሚሮም ናብ ከተማ ካቡል ምእታውምን ፕረዚደንት ባይደን ተወሳኺ ሓደ ሽሕ ወታሃደራት ክለአኹ ትእዛዝ ምትሕልላፎም ተሓቢሩ'ሎ::

ይኹን ደአ እምበር ወታሃደራት ኣመሪካ ነቲ ኤምባሲ ንነዊሕ ናይ ምቁጽጻር ዕላማ ከምዘይብሎምን አባላት'ቲ ኤምባሲ ናብ ውሑስ ቦታ ይግዕዙ ምህላዎም: ብተወሳኺ'ቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቐቕታ ዜጋታት ኣብ ውሑስ ቦታ ክጸንሑ ኣዚዙ'ሎ::

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣመሪካ ንቅልጡፍ ምፍራስ ሓይልታት ጣሊባን ከምዘይተጸበየት ብምግላጽ ምውጻእ ዜጋታት ኣመሪካ ኣብ ኤምባሲ ዘለው ሓዊሱ ከምኡ'ውን ምስ ስርሒታት ኣመሪካ ዝተሓጋገዙ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናዊያን ብቀዳምነት ዝስርሓሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም ኣለው::

ኣመሪካ "ድልየታቶም ምውጻእ ካብታ ሃገር ክሳብ ዝኾነ ኩሉ ዝከአል ከምትገብር" ሚንስትር ብሊከን ንመደበር ቴሌብዥን ሲ.ኤን.ኤን ሓቢሮም::

"ንጣሊባን ሓቲትናዮም አለና ማለት ኣይኮነን ይኹን ደአ እምበር አባላትና ወይ ስርሒታትና ምትእትታው ምስ ዝህልው ቅልጡፍ ወሳኒን ግብረ መልሲ ክስዕብ'ዩ::እቲ ምንስሓብ ሰራዊት'ውን ክንቅጽሎ ኢና::"

መንነቱ ክግለጸሉ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣባል ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ከተማ ካቡል ይወጹ ምህላውም ብምሕባር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን ምእታዎምን ንከባቢ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ካቡልንን ሓሚስ ካርዛይ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፍርቲ ተቆጻጺሮምዎ ከምዘለው ገሊጾም::

XS
SM
MD
LG