ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: ድሕሪ ለውጢ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ብዝሒ ክመርጻ ዝተመዝገባ ደቂ ኣንስትዮ ምውሳኹ ተገሊጹ


ኣመሪካ: ድሕሪ ለውጢ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ብዝሒ ክመርጻ ዝተመዝገባ ደቂ ኣንስትዮ ምውሳኹ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:29 0:00

ኣመሪካ: ድሕሪ ለውጢ ሕጊ ምንጻል ጥንሲ ብዝሒ ክመርጻ ዝተመዝገባ ደቂ ኣንስትዮ ምውሳኹ ተገሊጹ

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ መሰል ምንፃል ጥንሲ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝሃቦ ውሳነ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ድምፀን ንምሃብ ብብዝሒ ክምዝገባ ኣገዲዱወን ኣሎ።

ናይ ዴሞክራቲክ ስትራተጂስትን ተንታኒ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝብን ቶም ቦኒየር ንዝሓለፉ 28 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ትንታነ ምርጫ ከምዚ ናይ ሎሚ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ።

ንሱ "ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሎሚ ርእየዮ ብዘይፈልጥ ደረጃ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፋ ንሪአን ኣለና’’ ይብል።

ብመሰረት ትንታነ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ መሰል ምንፃል ጥንሲ ንዘረጋገፅ ሕጊ ሮቪ ዌድ ምስ ስዓሮ ሎሚ ሰሉስ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ናይ መፋርቕ ምርጫ ድምፂ ንምሃብ ዝተመዝገባ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 10 ክፍለ ግዝኣታት ብ35% ወሲኹ ኣሎ።

እተን ክፍለ ግዝኣታት ካንሳስ:ፐንስልቫኒያ:ኦሃዮ:ፍሎሪዳ:ኖርዝ ካሮላይና:ኣይዶሃ: ኣላባማ: ኒው ሜክሲኮን ሜይንን ይርከብአን።

XS
SM
MD
LG