ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ትጽውዕ


ህንጻ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ
ህንጻ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ክጋደድ እዩ ካብ ዝብል ስግኣት ዜጋታቱ ብህጹጽ ካብ’ታ ሃገር ንምውጻእ ይጓየይ ኣሎ።

ትማሊ ሶኒይ መግለጺ ዝሃበ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ "ኣመሪካዊያን ናይ ንግዲ በረራ ኣገልግሎት እናሃለወ ካብ’ታ ሃገር ክወጹ ኣለዎም" ኢሉ ኣሎ።

እቲ በዓል ስልጣን ቀንዲ መልእኽትና "ኩነታት ክሳብ ዝሓምቅ ኣይትጸበዩ፣ ቅድሚ ምቅይያሩ ሎሚ ውጹ" ዝብል እዩ ይብል ። ናይ ንግዲ በረራ እንተተቋሪጾም ኤምባሲ ኣመሪካ ንኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣመሪካዊያን ከሐግዝ ከምዘይኽእል’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ።

ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ዝባሃል ውጥን ከምዘየለ’ውን እቲ መንነቱ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG