ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ኣዝዩ ስለ ዝዓበየ፡ ኣመሪካውያን ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ኣውጺኡ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ መጠንቀቕታ ናብ ደረጃ ኣርባዕተ (ማለት “ምግያሽ ኣቋርጹ”) ከደይቦ እንከሎ፡ ከም ምኽንያት ዝዘርዘሮ ድማ ዝካይድ ዘሎ ኲናት፡ ተደጋጋሚ ምቍራጽ መራኸቢታት፡ ገበናትን ተኽእሎታት መጭወይቲን ኢዩ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምቅይያር፡ ጎንጺ ክለዓል ተኽእሎ ከም ዘሎ የጠንቅቕ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ፡ ህጹጽ ናይ ሓደጋ ግዜ ኣዊጁ ምእዋጁ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ድማ ኣብ ከይዲ ናይቲ ናይ ሓደጋ እዋን ከጓንፍ ዝኽእል ምግማቱ ስለ ዘይከኣል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታቱ ቀልጢፎም ክወጹ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፈሪ ፈልትማን ንጽባሕ ሓሙስን ዓርቢ 5/6 ሕዳርን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት መዲቦም ከም ዘለዉ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድአ።
እቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኣመሪካ ብኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ኲናትን ሕንፍሽፍሽን ኣመና ከም ዝተሻቐለትን ብቐረባ ትከታትሎ ከም ዘላን ይጠቅስ። ወሲኹ ድማ ኵላቶም ኣካላት ፍልልያቶም ኣወጊዶም ጉዳያቶም ብዘተ ክፈትሑ ይጽውዕ።