ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ዕዳኣ እንተዘይተላዒሉ መንግስቲ ወጻኢኡ ዝኸፍለሉ ገንዘብ ክውዳእ ምዃኑ ተገሊጹ


ሚንስትር ገንዘብ ኣመሪካ ጃኔት የለን ደረት ናይታ ሃገር ዕዳ እንተድኣ ዘይተላዒሉ መንግስቲ ኣመሪካ ወፃኢኡ ዝኸፍለሉ ገንዘብ 18 ጥቅምቲ 2021 ክፅንቀቕ እዩ ኢለን።ንሰን ንመራሕቲ ቤት ምኽሪ'ታ ሃገር ትማሊ ሰሉስ መጠንቅቕትአን ኣቕሪበን ኣለዋ።

"ቤት ምኽሪ (ኮንግረስ) ነቲ ናይ ዕዳ ደረት ክፈትሖ ኣገዳሲ እዩ፤እተዘይኮይኑ ሕጂ ብዘለና ግምት ዘለና ገንዘብ 18 ጥቅምቲ ክፅንቀቕ እዩ፤ኣሜሪካ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ ዕድኣ ከይከፈለት ዝተረፈት ክትኸውን እያ’’ ኢለን። ንሰን ብምውሳኽ እዚኣብ ኣሜሪካ ዝህልው እምነት ዝሽርሽርን ናይ ምልቃሕ ተኽእሉኣ ዘልምስን ብኡ ኣቢሉ ድማ ገንዘባውን ቁጠባውን ውድቀት ክስዕብ ይኽእል እዩ ኢለን ኣለዋ።

ሪፓብሊካዊያን ነቲ ናይ ልቓሕ ደረት ንምልዓል ንዝቐረበ ውሳነ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ምንጽጎም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG