ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ወታሃደራት ናብ ሶማል ከምትልእኽ ኣፍሊጣ


ኣመሪካ ወታሃደራት ናብ ሶማል ከምትልእኽ ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:44 0:00

ኣመሪካ ወታሃደራት ናብ ሶማል ከምትልእኽ ኣፍሊጣ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን አንፃር ምስ ዳዕሽ ርክብ ዘለዎም ጉጅለ ኣልሸባብ ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝዓለመ ከባቢ 500 ዝኾኑ ወተሃደራት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሶማል ክልእኹ ምዃኖም ኣፍሊጦም ። እዚ ነቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ወታሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማል ክወፁ ዝኣዘዘ ውሳነ ዝቀ፟የረ ኮይኑ ፓርላማ እታ ሃገር ሓዱሽ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምራፁ ስዒቡ ዝመፀ እዩ።

ሓዱሽ ዝተመረጹ ፕረዚደንት ሶማል አብ ቀረባ ናብታ ምብራቃዊት ሃገር ቀርኒ አፍሪቃ ተመሊሶም ዝመፁ ወተሃደራት ኣመሪካ ክርእዩ እዮም ። እዞም 500 ዝበፅሑ ወተሃደራት አመሪካ ነቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ንሶማል ክሕምሳ ዝፀንሐ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምእላይ ዝዓለመ እዩ ። እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተውሃበ ውሳነ ነቲ ኣብ 2020 ምምሕዳር ትራምፕ ኣብታ ሃገር ንዝነበሩ 700 ወተሃደራት አመሪካ ኩሎም ንኽወፁ ዝገበረ ውሳነ ዝቕይር እዩ። ነዚ ኣመልኪተን ዝቕይርሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ከሪን ዣን ፒየር ከምዚ ኢለን።

"ንእሽቶ ግን ከኣ ቀፃልነት ዘለዎ ህላወ ደጊምካ ንምትእትታው እተገብረ ውሳነ ኮይኑ፤ ንድሕንነትን ውፅኢታውን ሓይሊና ንምምሕያሽን ቀዳምነት ዝሃበን ንመሻርኽትና ዝሓሸ ደገፍ ንምሃብን ዝተገብረ እዩ ። ብተወሳኺ መሓዙትና ካብዚ ብውሑድ ዓቅ፟ሚ ቀፃልነት ዘለዎ ወተሃደራዊ ተሳትፎን ሓገዛትን ኣመሪካ ነቲ ኣል-ሻባብ ዘስዕቦ ስግኣት ኣብ ምፍታሕ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ሓደገኛ እኳ እንተኾነ ምቁፅፃር ግን ዝከኣል እዩ።"

ከም መግለፂ ዋይት ሃዉስ እቶም ናብ ሶማል ዝግዕዙ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብታ ኣህጉር ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ማእከል ኣመሪካ ካብ ሓዲኡ ምዃኑ እምበር ካበየናይ ማእከል ከምዝግዕዙ ፣ ዕላማ መጥቃዕቶም መን ምዃኑን ስጋብ መዓስ ኣብ ሶማል ከምዝጸንሑ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ወተሃደራት ኣመሪካ ኣንፃር ግብረ-ሽበራውያን ዝቃለሱን ሰበስልጣናት ከምዝብልዎ ኣብዚ እዋን ኣልሸባብ ካብ ዋህዮታት ዳዕሽ እቲ ዝዓበየ፣ ዝሃብተመን ቀታላይንን ጉጅለ ኮይኑ ከምዝርከብ እዩ።ኣብ ቀረባ በዝሖም ወሲኹን ዝያዳ ጭካነ ተላቢሶምን እዮም። ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ማእከል ኣኽባሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከበሉ ደቡባዊ ኣንፈት ሶማል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብውሑዱ 30 ወተሃደራት ቡሩንዲ ምቅ፟ታሎም ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ እቲ ን18 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣመሪካ ዝቀ፟ተለ ኣብ 1993 ኣብ ሞቃድሾ እተገብረ ውግእ ህዝቢ ኣመሪካ ናብ ሶማል ዝግበር ምትእትታው ንነዊሕ እዋን ስክፍታ ፈጢሩሉ ፀኒሑ እዩ ። ፔንታጎን ግን ነቲ ውሳነ ከምዚ ክብል ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርቢ "እቲ ቀንዲ ነጥቢ ኣልሸባብ ሐጂ እውን ስግኣት ኮይኑ’ዩ ቀፂሉ'ሎ ፣ ገምጋምና ከምዘርእዮ ስግኣት ኮይኑ ቀፂሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመጠን ወሲኹ ኢና ረኺብናዮ ። ብምዃኑ እዚ ምኽርን ሓገዛት ስልጠናን ተልእኾን ዝሓዘ ምትሕብባራት ሒዝና ምእታው ንዓና ተመራጺ መገዲ ምኳኑ ኢና ንኣምን ። ንሱ ንምትግባር ድማ እዚ ጥራሕ እዩ እቲ ዝበለፀ መገዲ።"

እቶም ብብሰንበት እተመረፁ ሓዱሽ ፕረዚደንት ሶማል ነዚ ሕቶ ኣቅ፟ሪቦም ዝተዋህበ ውሳነ ይኹን ኣይኹን ዝተፈልጠ ነገር የለን ። ተንተንቲ ፀጥታዊ ኩነታት ሶማል በቲ ውሳነ ሕጉሳት ምኳኖም ዝገለፁ ኮይኖም ብፍላይ ኣመሪካ ኣንፃር ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክትቅ፟ፅል ይምእዱ: ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንበይኑ ፍታሕ ክኸውን ከምዘይኽእል'ውን ይገልፁ ።

ሳሚራ ጋይድ ፈጻሚት ዳይረክተር ትካል ሂራል እየን: ንሰን "መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንአልሸባብ ኣጥፊኡዎም ነይሩ እዩ ። ንሱ ምሰ ኣቋረፀ ግን እቲ ጉጅለ ክምለስ ተዓዚብና ፣። ይኹን እምበር ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጥራሕ ፍታሕ ክኸውን ኣይኽእልን ፤ መንግስቲ ሶማል ብዝተዋደደ መልክዑ ንኹሉ ማሕበረሰብ ብዘማእከለ ክሰርሓሉ ይግባእ ። ኣብ ሶማል ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ እዩ ፤ እዚ ድማ ሰብ ዋና ክፈትሕዎን ክሰርሑሉን ይግባእ ። እቶም መናእሰያትና ናብ ኣልሸባብ ክፅምበሩ ዝደፍእዎም ፀገማት ክፍትሑ ይግበኦም።"

ኣብ ሶማል ዝኾነ ሰብ ደሕንነት ዝስመዖ ኣይመስልን ። እቲ ኣብ ዝሓለፍ ወርሒ ለካቲት ንመንበሪ ፕረዚደንት ዝዓለመ ተፈንጃሪ ዝሓዘ ሰብ ዝፈፀሞ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ ደርዘን ዝኮኑ ድማ ምቁሳሎም ዝዝከር እዩ ።

XS
SM
MD
LG