ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ቫይረስኮሮና ምሃብ ጀሚራ


ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሆስፒታላት፣ክሊንካትን መደብራት መሸጢ መድሃኒታት ፋርማሲታትን ካብ ልዕሊ 6 ወርሒ - 5 ዓመት ዕድመ ንዝኾኑ ቆልዑት ትማሊ ሰሉስ ክታበት ኮቪድ19 ምሃብ ተጀሚሩ።ደቆም ካብ ዝኸፍአ ተፅዕኖ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ብዝደልዩ ብዙሓት ወለዲ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ክታበት ዝወሃበሉ ሓደ ክሊንክ ተረኺቦም ኔሮም።

ባይደን ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ክታበት ምውሳድ ምጅማሮም እታ ሃገር ካብቲ ለበዳ ክትሓዊ ኣገዳሲ ምዕራፍ እዩ ኢሎም።

"እዚ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዩ።ኣመሪካ ሕጂ ክሳብ ደቂ ሽዱስተ ኣዋርሕ ዕሸላት ውሑስን ውፂታውን ክታበታት ኮቪድ19 ምሃብ ዝጀመረት ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።ኣንፃር ክታበት ነካይዶ ብዘለና ግጥም ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ኣመሪካዊ ህይወት ኣድሕን ዝኾነ ክታበት ክረክብ ይኽእል እዩ።ምምሕዳረይ ምስ ማእኸላት ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ብምትሕብባር እዚ ኩነታት ክፍጠር ነዊሕ ክትልምን ክዳሎን ፀኒሑ እዩ።"

ኤጀንሲ መድሃኒታት ኣውሮጳ ንውሳነ ኣመሪካ ብምስዓብ ንትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ ቆልዑ ንምሃብ ንክታበት ሞደርና ይግምግሞ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG