ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፤ ካብ ቻይና ንዝመጹ ገያሾ ካብ ቫይረስኮሮና ነጻ ምዃኖም መረጋገጺ ትሓትት


ሰበስልጣን ኣመሪካ ካብ ቻይና ንዝመጹ ገያሾ ናይ ኮቪድ19 መርመራ ክገብሩ የገድዱ ኣለዉ።

ብሰንኪ ኣብ ቻይና ዝተራእየ ምውሳኽ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝመጽእ 5 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ዳርጋ ኩሎም ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ምስክር ክሕዙ ከምዘለዎም፡ ሰበ ስልጣን ጥዕና ኣፍሊጦም ኣለዉ።

መረጋገጺ ኮቪድ19 ዘየድልዮም ትሕቲ ክልተ ዓመት ቆልዑ ጥራይ እዮም።

ቅድሚ ኣመሪካ ካልኦት ሃገራት ማለት ህንዲ:ኢጣልያ: ጃፓን ከምኡ'ውን ታይዋን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲደን እየን።

ኣመሪካ እንተላይ ናብ ካልኦት ሃገራት ንምእታው ብኣመሪካ ዝሓልፉ ገያሾ: ካብቲ ዋና መሬት ቻይና ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ግዝኣት ሆንግ ኮንግ ከምኡ ካብ ማካው ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ እውን ናጻ ምዃኖም ከረጋግጹ ትጠልብ ኣላ። ።

ሓደ ሽሙ ክጥቀሰሉ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ጥዕና ኣመሪካ ቻይና ምሉእን ቅሉዕን ሓበሬታ ስለ ዘይትህብ፡ ኣመሪካ ዜጋታታ ንምሕላውን ካልእ ፈልቂ ኮሮና ከይፍጠርን ርሑቕ ዝጠመተ ስጉምቲ ክትወስድ ኔርዋ ኢሉ።

ንሱ ቻይና እኹል ሓበሬታ ስለዘትይህበና ነቲ ስጉምቲ ክንወስድ ተገዲድና ይብል።

XS
SM
MD
LG