ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ካብ ቬንዙዋላ ነዳዲ ንምምጻእ ከምዘይተዘራረበት ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ


መጻረይ ነዳዲ ኣብ ቬንዙዋላ
መጻረይ ነዳዲ ኣብ ቬንዙዋላ

ዋይት ሃውስ ኣመሪካ ካብ ቬንዙዌላ ነዳዲ ንምሽማት ኣይተማዓዱን ዘላ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።

እዚ መግለጺ’ዚ፣ ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ንምቕያር፣ ኣመሪካ ናብ ገጽ ቬንዙዌላ ተቋምት ጀሚራ ኣላ ንዝብል ግምት ኣበርዒንዎ ኣሎ።

ኣመሪካ ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ኒኮላስ ሙዱሮ ዝመራሕ መንግስቲ ቬንዙዌላ ከም ሕጋዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19ን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝኸፈተቶ ውግእን ዝተፈጠረ ሕጽረት ነዳዲ ንምምላእ ይፍትኑ ከምዘለው እቲ ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG