ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ንመደረ ፕረ.ቱኒዝያ ብምዅናን መጠንቀቕታ ይህባ


ፕረዚደንት ቱኒዚያ ከይስ ሰዒድ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ (ብቐንዱ ድማ ምዕራብ ኣፍሪቃ) ዓሌታዊ ዘረባ ድሕሪ ምስማዑ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ንተግባር ፕረዚደት ሰዒድ ኣትሪረን ኰኒነን። ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ መራሕ ሃገር ንዓለማዊ ስምምዓት ስደተኛታት ከተግብርን መሰል ሓተትቲ ዑቝባ ክሕሉን ጸዊዑ።

ኣቐዲሙ ብዝተዛረቦ ሓያሎ ሰዓብቱ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓደጋ ከውርዱ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ፕረዚደንት ሰዒድ ኣንጻር’ቶም ንስደተኛታት ዘጥቅዑ ዘለዉ ዜጋታት ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ብሰንበት ሓቢሩ ነይሩ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንዘረባ ፕረዚደንት ከይስ ሰዒድ “ተዃታዂ ናይ ጽልኢ ዘረባ” ክብል ኰኒኑዎ’ዩ። ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ’ውን ብህጹጽ ካብታ ሃገር ዜጋታተን ኣውጺአን’የን። ድሕሪ መደረ ፕረዚደንት ሰዒድ፡ ፕረዚደንት ባንክ ዓለም ኣብታ ሃገር ንዘለዎ መጻኢ መደባት ደው ከብሎ ምውሳኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

XS
SM
MD
LG