ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ዩክሬን ዝተፈጸመ ዝተባህለ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኮኒና


ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ
ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

ኣመሪካ: ነቲ ኣብ ዩክሬን ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ተግባራት ኣድልዎ ኮኒናቶ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ "ዓሌታዊ ኣድልዎ፣ ብሕልፊ፣ ኣብ እዋን ቅልውላው፣ ይቅረ ዘይባሃለሉ እዩ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይወቅስ።

ዶብ ሰጊሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣቱ ዝኾነ ሰብ፣ ማዕረ ካልኦት ሰባት ክራኣይ ከምዝግባእ፣ ዘድልዮም ደገፍ ንክግበረሎምን፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዝነጥፉ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብቀረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ብግዲኤን፣ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ንዝኣተውዎም ውዕላትን፣ ንስደተኛታት ኣገዲደን ናብ ዝመጹለን ከባቢታት ንከይምልሱዎም ኣመሪካ ኣተሓሳሲባ።

ካብ ህውከት የምልጡ ንዘለው ሰባት ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ብዘይ ቪዛ ናይ ምንቅስቃስ መሰል ዘለዎም ሰባት ናብ ሳልሳይ ሃገር ንክሰግሩ ክፈቅዳን፣ ጎረባብቲ ዩክሬን ንክቅበለኦምን ኣመሪካ ሓቲታ ኣላ።

XS
SM
MD
LG