ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝስማዕ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ


ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዳግም ዝስማዕ ዘሎ ግጭት ዘተሓሳስብ`ዩ ክብል ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ `ቲ ኩነታት ሕቶ ምስ ቀረበሉ መልሲ ዝሃበ ኔድ ፕራይስ፡ እቲ ግጭት ንቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት ስለዘተዓናቕፍ ኩሉ መጥቃዕትታት ደው ክብል ኢና ንጽውዕ ኢሉ።

ግጭት ደው ኣቢልካ ብልዝብ ምፍታሕን ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት ምምርማርን ምርጫና`ዩ ዝበለ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣስዒቡ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ጥሪ 16 ዝወሰዶ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ናይ ምልዓል ውሳነ ብሓጎስ ተቒቢልናዮ ኣለና፡ ፓርላማ`ታ ሃገር ከጽድቖ`ውን ተስፋ ንገብር ኢሉ ።

መንግስቲ፡ ብምኽንያት ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣሰሩ ኩሎም ክፈትሕ ንጽውዕ ዝበለ ኔድ ፕራይስ፡ ክልተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕዉት ዘተ ምክያዶም ብምጥቃስ ኣመሪካንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘለዋ ድጋፍ`ውን ኣዘካኺሩ።

XS
SM
MD
LG