ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐጸለ ውግእ ከምዘተሓሳሰባ ትማሊ ገሊጻ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ -ፋይል

ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቐፀለ ውግእ ከምዘተሓሳሰባ ትማሊ ገሊፃ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሰላም ክቐርቡ ድፍኢት ኣብ ዝገብርሉ ዘለው እዋን እዩ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ።ዳግም ንዝጀመረ ውግእ ብፅኑዕ ንኹንኖ’’ ኢሎም ።

"እዚ ተግባር እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ንልዝብ ሰላም ድልየቶም ምስ ዝገለፅሉ ዝኸይድ ኣይኮነን’’ኢሎም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ንኽልተ ሰሙን ኣብቲ ዞባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ሓይልታት ትግራይ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክዘራረቡ ቀኒዮም ኣለው።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ክልቲኦም ወገናት ወታሃደራዊ መጥቓዕቶም ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ከብሉን ብዲፕሎማሲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሎም ተላዚቦም ክሰማምዑን ይፅውዑ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝምራሕ ዝርርብ ንምስታፍ ቅሩባት ምዃኖም ገሊፆም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብረቡዕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ መስርሕ ሰላም ቅሩብ ምዃኑ ገሊፁ፤ይኹን እምበር ኣብ ከተማ መቐለ ረቡዕ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ድሮን ዓሰርተ ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ነቶም ካብ መዝነቶም ዝተሰናበቱ ኡሁሩ ኬንያታ ንዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ክመርሕ ሸይሞም። ምርቋሕ ኬንያታ ነዚ ሓድሽ መዝነት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ምክትታል ኣፍሪቃን ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብሓጎስ ከም ዝቕበሉዎ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል ዘተ ሰላም ብምሉእ ከም ዝድግፉ’ውን ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብመገዲ ወሃብ-ቃሎም ስቴቨርን ዱጃሪክ ኣቢሎም ጠቒሶም ኣለዉ። እቲ ወሃብ-ቃል ከም ዝገለጾ እቲ ምዕባለታት ግዜ ዘይህብ ብምዃኑ ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG