ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልፍንታዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ጀሚራ


ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃን መተሓባብርቲ ጥሩፋት እስላማውያን ጕጅለታትን ንዝመጽእ ዘሎ መጥቃዕታት ንምግጣም፡ ኣመሪካ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ሓባራዊ ወታሃደራዊ ሓይሊ ልምምድ ጀሚራ። እቲ ንበበይነን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ ወታሃደራዊ ልምምድ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጋና ጀሚሩ ኣሎ።

እዚ “ፍሊንትሎክ” ተሰይሙ ዘሎ ወታሃደራዊ ልምምድ ዝካየድ ዘሎ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ጕጅለታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት እቲ ዞባ የስፋሕፍሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቶም ጥሩፋት እስላማውያን ጕጅለታት ብቐንዱ ኣብ ማሊ፡ ኒጀርን ቦርኪናፋሶን ዝንቀሳቐሱ ኾይኖም ናብ ዶባዊ ማያት በኒን፡ ቶጎን ኣይቮሪኮስትን’ውን ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም’ዮም።

ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኮማንድ ኣፍሪቃ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “መደብ ፍሊንትሎክ ዓቕሚ ቁልፊ መሓዙት ሃገራት እቲ ዞባ ንምሕያል፣ ካብ ጥሩፋት ትካላት ዝመጽእ መጥቃዕቲታት ንምምካትን ዶብ ሰገር ምትሕብባራት ብምግባር ፀጥታዊ ደሕንነት ህዝቦም ንምሕላው ዘኽእሎም፡” ምዃኑ ገሊፆም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG