ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን እገዳ ኣንቢራ


ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ካብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት - ፋይል
ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ካብ ዝተኻየደ ተቓውሞታት - ፋይል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንሰላማውያን ደለይቲ ለውጢ ብማህረምቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ መቕተልቲን ምጕስቓልን ምላሽ ብምሃቡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን እገዳ ኣንቢሩ።

እቲ ዝቐረበ ክሲ ቀንዲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመትን መፋርቕ ወርሒ መጋቢትን ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት።

ንውሳነ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ብምስዓብ፡ ንሰላማዊ ስግግር ከም ዝሰርሕ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ በቲ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝገበሩዎ በደል ኣዝዩ ሕዙን ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፡ ናብ ሱዳንን ንዳግመ-ሕወይት ሱዳንን ዓሊሙ ዝነበረ ሓገዝ ደው ከም ዘብሎ ኣፍሊጡ። ወሲኹ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንሰላማዊ መስርሕ ዘቃላጥፍን ዘውሕስን መገዲ ንምትግባር ኵሉ ዝከኣሎ ኣገባባት ክጥቀም ምዃኑ ኣመልኪቱ።

XS
SM
MD
LG