ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ዝተነብረ እገዳ ከምዘይተልዕሎ እንተኾነ ግን ሓገዝ ንኣፍጋናዊያን ከምትህብ ተገሊጹ


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ትማሊ ሰሉስ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳር ባይደን ንኣመሪካውያንን፡ ምስ ግሎባላዊ ሚድያ ኣመሪካን ምስ ሃገራዊ ኢንደውመንት ንደሞክራሲን ንዝሰርሑ ሰባትን ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ምውጻእ ቀዳምነት ምሃቡ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣመሪካ፡ ንምምሕዳር ጣሊባን ዘይኮነስ ፡ብቐጥታ ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ብኸመይ ናይ ሚልዮናት ዶላር ረድኤት ትሰደሉ ንዝብል ትመዝኖ`ላ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን መንግስቲ`የ ኢሉ ዘመሓድር ዘሎ ጣሊባን ተወሳኺ ማዕቀብ ክንበረሉ ከምዝኽእል`ዮም ዘጠንቅቑ ዘለዉ። ሓደ ካብኦም ደሞክራት ሮበርት መንደዝ`ዩ፡-"ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ጣሊባን ዘለወን ማዕቀብ ክቕጽልኦ ኣለወን። ኣመሪካ ኣብ ግዜ ልዝብ ምስ ጣሊባን ኣልዒላቶ ዝነበረት እገዳ ናብ ቦትኡ ክትመልሶ ኣለዋ፡ ኣመሪካ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ረድኤት እናቐጸለት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ጣሊባን ግን ዋጋ ዘኽፍል እገዳ ክትገብር ኣለዋ" ይብል።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን፡ብቐጥታ ናብ ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ዝኸይድ 64 ሚልየን ዶላር ረድኤት ቃል ኣትዩ`ሎ- ። ብሊንከን ብዛዕባ`ቲ ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ምውጻእ ኣፍጋኒስታን ካብ ኣባላት ባይቶ ከበድቲ ሕቶታት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን`ዩ ብዛዕባ`ቲ ረድኤት ተዛሪቡ።

"ነዚ ክኾሓሕል ኣይደልን`የ፡ ጣሊባን ከም መግብን መድሃኒትን ንዝበሉ ነገራት ኣብ ምእታው ክተሓባበር ይኽእል`ዩ። ከም ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ዝበሉ ነገራት ግን ካልእ ታሪኽ`ዩ- ስለዚ ኣብኡ ብዕቱብ ክንከታተል ኢና- እቲ ሓገዝ ብግቡእ ንቆጻጸሮ ክኸውን`ውን ክንሰርሕ ኢና ።"

እንተኾነ ዕድል ናይቶም ምስ ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩን ናይ ኣመሪካ ቪዛ ቃል ዝተኣተወሎምን ግን ኣይተፈልጠን። ምምሕዳር ባይደን ነቲ መስርሕ ኣብ ምስላጥ ዝግብኦ ከምዘይገበረ`ውን ብኽልቲኦም ፓርትታት ይንቀፍ ኣሎ።

ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ፡ ንዝተረፉ ኣመሪካውያንን ኣፍጋናውያንን ካብታ ሃገር ከውጽኡ ገና ይሰርሑ ከምዘለዉ ይግለጹ። ኣብ ሰነት ኣብ ኮሚቴ ጸጥታ ሃገርን ጉዳያት መንግስትን ላዕልዋይ ሪፓብሊካን ሮብ ፖርትማን ግን ብዛዕባ ተሪፎም ዘለዉ ሰባት ትኽክለኛ ቁጽሪ የብልናን ይብል፡ ካብቶም ዝገመትናዮም 60 ሺሕ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ እቶም ፍርቆም 30 ሺሕ ጥራይ ኢና ክነውጽእ ክኢልና ዘለና ኢሉ።

ድሕሪ ናይ ሰሙናት ሻቕሎት፡ ሕጂ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብልንከን፡ ሰራሕተኛታት ድምጺ ኣመሪካ ዝርከብዎም ሰባት ካብቲ ተሓቢኦሙሉ ዘለዉ ቦታ ከውጽእዎም ቀዳምነት ሂቦምሉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ ሕቶ ዘቕረቦ፡ ደሞክራት ሰነተር ክሪስ ኮንስ`ዩ፡"ንሰራሕተኛታት ድምጺ ኣመሪካ፡ ራድዮ ፍሪ ኢሮፕ፡ ራድዮ ሊበርቲ ከምኡ `ውን ንስድራቤታቶም ሓዊስካ 550 ዝኾኑ ገና ዘይወጹ ኣለዉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነዚኦም ከውጽእ ቀዳምነት ሂብዎም ኣሎ`ዶ?" ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣንተኒ ብልንከን ፡ እወ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።

ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብቲ ነሓሰ 31 ዝነበረ ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ በረራ መብዛሕቲኦም ኣፍጋናውያን ዝኾኑ 124 ሺሕ ሰባት ኣውጺኦም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG