ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሰኽቲ እገዳታት ተንብር


ፕረዚደንት ጆ ባይደን
ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ሃገራት ኔቶ: ኣውሮጳን ጉጅለ 7ን ዘካየድዎ ርክብ ዲፕሎማሲያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኻዊ ቀፃልነት ዘለዎ ኮይኑ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝፈፀመቶ ወራር ወተሃደራዊ:ቁጠባውን ሰብኣዊ ምትእትታው ደው ንኸተብል ዘገድዱ ተወሳኺ ስጉምትታት ዝተወሰደሉ'ውን እዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ሓሙስ ምስ መራሕቲ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሃገራት ጉጅለ 7ን ዝተራኸቡ ኮይኖም ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈፀመቶ ወራር ሓደ ወርሒ ኣብ ዘቑጸረሉ እዋን ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶምን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ነታ ኣብ ከበባ እትርከብ ሃገሮም ሓዲጎም ስደተኛታት ኮይኖም ኣለው። እዚ ድማ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንደሓር እቲ ዝዓበየ ስግኣት ዓለም እዮ ክብሉ ገሊፆሞ። ንሶም ወሲኾም ብቭላድሚር ፑቲን ዝምራሕ ሓይሊታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል 30 ኣባል ሃገራት ኔቶ ሓድነተን ከነፅንዓ ይግባእ ኢሎም ።

“እቲ ሓደ ኣዝዩ ወሳኒ ጉዳይ ሓድነትና እዩ ።ዓለም ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ዕንወትን ጥፍኣትን ጭካነ እዚ ሰብ ይዕዘብ ኣሎ ። ንሱ ኸኣ እዩ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር:ይኹን እምበር ከም ፑቲን ኣውሮጳ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣብ ሓደ ወርሒ ወይ ሽዱሽተ ሰሙን ክበታተና እየ ኢልካ እትፅበ እንተኾይንካ ንምንታይ ድኣ ኣይኮነን ፧ ንሱ ኮይኑ እውን ግን ሓድነትና ሙሉእ ብሙሉእ ብሓደ ምስማርና ንምርኣይ እውን እየ ነዚ ኣኼባ ዝፀዋዕኩ።”

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ወሲኾም ሩስያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ክትጥቀም ትኸእል እያ ንዝብል ስግኣት “እንተተጠቂ፟ሞም ምላሽ ክንህብ ኢና ምላሽና'ውን ንዕዑ ዝምጥን ይኸውን" ክብሉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ 1.3 ቢልየን ሓገዝ ንዩክሬንን 100 ሽሕ ንዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬን ድማ ሃገሮም ክትቅበል ምዃና ዝገለፁ ባይደን ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ትካላት ኣፅዋር ሩስያ ፣ 300 ኣባላት ቤት ምኽሪን መሻርኽትን ሩስያ ተወሳኺ ክልከላ ከንብሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ብቪድዮ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ኮይኖም ነቶም 30 መራሕቲ ቆራፅ ውሳኦም ከርእይዎም ፀዊዖም። ዋላ'ኳ ሰበስልጣን ኣመሪካ ነቲ ቅድም ክብሉ ክሓትዎ ዝፀንሑ ክልከላ ግዝኣት በረራን አባልነት ኔቶን ዝጥምት ሕቶታቶም ከምዘይደግምዎም ፈሊጦም እንተነበሩ እቲ ናይ ትማሊ ሓሙስ ሕቶታቶም ግን ንፁር እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ“ብውሑዱ 20 ሽሕ ታንኪ እንተሃልየናኩም ዩክሬን 1% ጥራሕ እያ ክትሸጡልና ወይ ክትህቡና ትሓትት ዘላ ፤ ስጋብ ሕጂ ግን ንፁር መልሲ ክንረክብ ኣይከኣልናን ። ኣብ እዋን ኲናት ድማ እቲ ዝኸፍአ ሓገዝ ሓቲትካ ንፁር መልሲ ዘይምርካብ እዩ።” ኢሎም

ዋና ፀሓፊ ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ ብወገኖም ነቲ ሩስያ ኬሚካላዊን ኒኲሌራውን ኣፅዋራት ክትጥቀም ትኸእል እያ ዝብል እናሓየል ዝመፀ ስግኣት እቲ ወተሃደራዊ ጥምረት ንዕዑ ክከላኸለሉ ኣብ ዝኽእለሉ ዓቅ፟ሚ ይዳሎ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ቡልጋሪያ ፣ሩማንያ፣ ሃንጋሪን ስሎቫኪያን ሓደስቲ ኑቑጣታት ኣጽዋር ምጥያሶም ኣመልኪቶም ንዝሃብዎ ሓበሬታ ገለ መራሕቲ ምብራቅ ኣውሮጳ አድላይነቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልፁ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢስቶኒያ ካይ ካላስ “ፃዕርታትና ብዕፅፊ ከነዕብዮም ዝግባእ ይመስለን ። ኣብዚ ኲናት ፑቲን ክዕወት የብሉን ። እዚ ንኔቶ ሓዊሱ ንኹላትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።ካልኣይ ከመይ ወፃኢታት ምክልካልና ከነዕብዮ ከምዝግባእን ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኸእል ኣብ ዝብል ክንዘራረብ ይግባእ። ብምኳኑ ድማ ኣንፈታት ምብራቅ ብፍላይ ሃገራት ባልቲክ ክሕይል ምግባር ምኽንያቱ እዚ ትልሚ ነታ ሃገር ጥራሕ ተማጉትካ ነጻ እተውፀአሉ አይኮነንን" ኢለን።

ባይደን ዓርቢ ናብ ፖላንድ ዘምርሑ ኮይኖም ንፕረዚደንት ፖላንድ ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ክረኽቡ ምዃኖም እንተሓበሩ'ውን መንነትን እቶም ሰባትን ዝራኸቡሉ ቦታን ካብ ምግላፅ ግን ተቆጢቦም እዮም ።

XS
SM
MD
LG