ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ክትኸውን ተመሪጻ


ትማሊ ሓሙስ ጥቅምቲ 14,2021 ዝተቓነዐ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንኣመሪካ ኣባል ኣብ ጀነቫ ዝመደብሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ገይሩ መሪፁዋ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ምምሕዳር ነበር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዘለዎ ዝኸሓነ ኣድልዎን ሕፅረት ናይ ኣሰራርሓ ለውጥን ብዝብል ካብቲ 47 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ኣካል ድሕሪ ምስሓቡ ሰለስተ ዓመት እዩ።

ኣመሪካ ኣብቲ ብምስጢር ዝተኻየደ ምድማፅ ብዘይተቓውሞ ካብ 193 ኣባል ሓፈሻዊ ጉባኤ 168 ድምፂ ረኺባ ኣላ።ንሰለስተ ዓመት ዝፀንሕ ኣባላነት ድማ ሓደ ጥሪ ክጅምር እዩ።

እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ብምምራፅ ንካሜሮን፣ ኤርትራ፣ ሶማል፣ህንዲን ኣርጀንቲናን እውን ዳግም ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ክኾና ተመሪጸን ኣለዋ ።

ኣመሪካ ካልአይቲ ዝተሓተ ድምፂ ዝረኸበት ሃገር ኮይና ላ።144 ድምፂ ንዝረኸበት ኤርትራ ጥራሕ እያ ድማ በሊፃታ።

XS
SM
MD
LG