ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣስታት 850 ሽሕ ዶዝ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ ለጊሳ


ፋይል
ፋይል

ኣመሪካ 840,060 ዶዝ ክታበት ኮቪድ19 ንኢትዮጵያ ከምዝለገሰት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "እቲ ክታበት፣ ጽርየቱ ጽፉፍ፣ ምዕሩይ ምብጻሕ ዝተገብረሉን ቀንዲ ዕላምኡ ህይወት ሰብ ንምድሓን ሓሊኑ ከምዝኾነ" ጠቂሱ።

ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝላኣኸቶ ፋይዘር ዝዓይነቱ ክታበት ኮቪድ19፣ ምስ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝለኣኸቶ ተደሚሩ ናብ 7 ሚልዮን ምብጽሑ’ውን መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ ዛጊት ን110 ሃገራት፣ ልዕሊ 400 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ19 ከምዝለገሰት’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG