ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ:ኣስታት 2 ሚልዮን መንእሰያት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ሓድሽ ተበግሶ ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ


ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጃኮብሰን
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጃኮብሰን

አመሪካ፣ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን መናእሰይ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝውዕል 3.1 ቢልዮን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ሓድሽ ተበግሶ ከምዘጀመረት፣ ኤምባሲ አመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ።

እቲ ‘ብራኸ’ ዝብል መጸውዐዒ ዝረኸበን ብትካል ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ(USAID) ዝትግበርን ተበግሶ፣ ኣብ 18 ዝተፈላለያ ከተማታት ዝነብሩ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ንክረኽቡን ኣብ ማሕበረሰቦም ጸላዊ ድምጺ ንክረኽቡ ዘሕግዝን እዩ። ብዘይካ'ዚ፣ እቶም መናእሰይ፣ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ቁጽጽር ስድራቤት ኣገልግሎት ጥዕናን ንክረኽቡ’ውን ዝገብር ከምዝኾነ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ'ሎ።

ብመሰረት'ዚ ድማ ኣስታት 700 ሽሕ መናእሰይ ኢትዮጵያ፣ ብተበግሶ 'ብራኸ' ተረባሕቲ ከምዝኾኑ’ውን ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG