ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ ለጊሳ


ኣመሪካ ንኢትዮጵያ 1,552,590 ክታበታት ኮቪድ19 ከምዝለገሰት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ ንኢትዮጵያ እዞም ክታበታት ዝለገሰት፣ ዋላ ሓንቲ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ከየንበረት፣ ህይወት ሰብ ንምድሓን ካብ ዘለዋ ተገዳስነት ከምዝኾነ’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ።

ብመሰረት መግለጺ ኣመሪካ ኣመሪካ ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ንኢትዮጵያ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ክታበታት ኮቪድ19 ከምዝለገሰት ኣፍሊጡ። እዚ ዳሕረዋይ ልግሲ ክታበት ጸረ ኮቪድ19፣ ኣመሪካ ንሓንቲ ሃገር ካብ ዝሃበቶ እቲ ዝበዝሐ ክታበት ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG