ዋሽንግተን —
ምምሕዳር ባይደን ንዘቕረቦ ፖሊሲ ኣሰገዳድ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ክትዕ ይካየድ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ከም ግዴታ ክኸውን እዩ ምባሉ ነቲ ምምሕዳር ክንኸሶ ኢና ካብ ዝበሉ ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ተቓውሞ ገጢሙዎ`ሎ።
ነቐፍቲ ከምዝብሉዎ ምምሕዳር ባይደን ናይ ኮቪድ 19 ክታበት ግዴታ ካብ ናይ ፌደራል መንግስቲ ተራ ዝዘለለ ስለዝኾነ ካብ ዘይተኸተቡ ብዙሕ ተቓውሞ ክገጥሞ እዩ ይብሉ።
እቲ መምርሒ ገለ ወነንቲ ትካላት ሰራሕተኛታት ወይ ምሉእ ብምልኡ ክኽተቡ ወይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን መርመራ ክገብሩ ይፅውዕ። ነዚ ፖሊሲ ዝጥሕሱ ናይ ንግዲ ትካላት ኣብ ነብስወከፍ ጉድለት ክሳብ 14,000 ዶላር ዝበፅሕ ክቅፅዑ ይኽእሉ።