ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንጣሊባን ኣፍልጦ ምሃብ ተደናጒ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ድማ ትጽውዕ


ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዝተኻየደ ሰልፊ
ኣብ ኣፍጋኒስታን ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዝተኻየደ ሰልፊ

ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ዕስራ ዓመት ዝወሰደ ስግረ-ዶባዊ ወፍሪ ብወግዒ እዚ ሰሙን’ዚ ደኣ ትወድእ እምበር፡ ገና ግን ኣብ በበይኑ መዳያት ምስ ጣሊባን ምዝርራብ ዘይተርፍ ጸዋዕታ ኰይኑ ኣሎ። ገለ ካብቲ ዘዘራርብ ኣርእስቲ ንመሰል ዜጋታት ምኽባር ክኸውን’ዩ።

ጣሊባን ንኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ሓዊስካ ዳርጋ ንምልእቲ ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሮም ኣለዉ።ዕስራ ዓመት ዝወሰደ ወፍሪ ስግረ-ዶብ ኣመሪካ ኣብ መዛዘሚኡ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን’ውን ግን ንጣሊባን’ውን በበይኑ ብድሆታት የጋጥሞም ኣሎ።

መሰለን ክሕልወለን ዝጠልባ ደቀንስትዮ ኣፍጋናውያን ኣብ ጎደናታት ሐራት ሰለማዊ ስልፊ የካይዳ ኣለዋ።

እታ ሃገር ከቢድ ደርቂ ኣብ ዘንጸላለወላ ህሞት፡ ብዘይ ናይ ደገ ሓገዝ: ጣሊባን፡ ንኣፍጋናውያን ብኸመይ ከሰጋግሮም ከም ዝኽእል የዛርብ ኣሎ።

ዛጊት ኣመሪካ፡ ንጣሊባን ከም ሕጋዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ኣይሃበቶም ዘላ።

ጸሓፊት ፕረስ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ ንጉዳይ ኣፍልጦ ምሃብ ኣመልኪተን “ዝዀነ ይዅን ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት መንግስቲ፡ ማለት ፕረዚደንት ዲዩ ወይስ ጸሓፊ ምክልኻል ወይ ድማ ካብ ኣካላት ጸጥታ፡ ጣሊባን ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ዝበለ የለን። ስለዚ ከኣ ኢና ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዘይንጓየ ዘሎና። ቀስ ኢልና ነጽንዖ ኣሎና። ንድርኺት ዝዀኑ ሓያሎ መዛራረብቲ ኣርእስታት ኣለዉና፡ ሓደ ካብኣቶም ንዓለማዊ ዕዳጋ ኣፍደገ ምኽፋት’ዩ፡”ኢለን።

ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት እዚ እናዀነ ግን ኣመሪካ፡ መዕርፎ-ነፈርቲ ኣፍጋኒስታን ተኸፊቶም፡ ህዝቢ ኣፍጋን ሓገዝ ዝረኽበሉ መገዲ ኣብ ምንዳይ’ያ ዘላ--።

ወሃብ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ነድ ፕራይስ’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ መብርሂ ሂቦም ነይሮም።

“ኣብ መንጎና ክህሉ ዝኽእል ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ምጽናዕ ኢና ዘሎና። እንህቦ ሓገዝ ድማ ኣብ ተግባራት’ቲ ሕጂ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዝምርኰስ’ዩ። ብሕልፊ እኳ ኣብቶም መሰረታውያን መትከላትና ዝዀኑ ከም እኒ ድሕነት ዜጋታት ምሕላው፡ መሰላት ምኽባር፡ ንደቀንስትዮን ካልኦት ወገናትን ኣሳታፊ ዝዀነ ሓቛፊ ፖለቲካዊ መስመር ምኽታል፡ ኣንጻር ግብረ-ሸበራዊ ስራሓት ዝህሉ ተበግሶታትን ካልኦት ካብቶም ቀንዲ ኣተኵሮ እንገብረሎም’ዮም፡”ኢሎም ።

ወሃብ ቃል ክፍሊ ምክልኻል ፔንታጎን፡ ጆን ኪርብይ፡ ተልእኾ ኣፍጋኒስታን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተዛዘመ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣመሪካ ዛጊት 124-ሽሕ ዜጋታት ካብ ኣፍጋኒስታን ኣውጺኣ ኣላ። ገና ካብ ስጋኣት ጣሊባን ዘይተናገፉ ኣሽሓት ግን ክወጹ ዕድል ኣይረኸቡን።

XS
SM
MD
LG