ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንድልየት ኢራን ኣብ ጉዳይ ልዝብ ኑክሌር ዝምልከት ውሳነ ከም እተሕልፍ ሓቢራ


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን

ኢራን ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ጀሚራቶ ዝነበረ ፕሮግራም ንዩክለር ንዝገትአ ውዕል ንክትደፍአሉ ጻዕሪታቶም ከምዘሐዪሉ ዝገልጹ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፣ ቴህራን ብዛዕባ ልዝብ ምስ ሓያል ሃገራት ድልየት ኣለዋ እንተኾይኑ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክንውስን ኢና ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን"ኢራን ኣብቲ ልዝብ ተገዳስነት ኣለዋ'ዶ ኣይፋል ንዝብል፧ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ክንንጽሮ ኢና፣ ከምዝመስለኒ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልታት" ይብሉ ።

ኣመሪካን ኢራንን ካልኦት ሃገራት ተዓዘብቲ ኣብ ዝኾናሉ ኩነት ዘይቀጥታዊ ልዝብ ዝመጽእ ሶኑይ ከምዘካየዳ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG