ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንዘይተደረተ ሰብኣዊ ሓገዝ ንትግራይን ምንስሓብ ኵላቶም ሓይልታትን ትጽውዕ


ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዑደት ዝገብራ ዘለዋ ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር ሎሚ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸባ ትጽቢት ይግበር። ሳምንታ ፖወር፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ኲናት ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ደው ክብል ደጋጊመን ክጽውዓ ጸኒሐን’የን።

ሎሚ ረቡዕ ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸባ መደብ ተታሒዙለን ዘሎ ኣማሓዳሪት እቲ ኣህጉራዊ ትካል ምትሕግጋዝ ሳማንታ ፖወር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክልል ትግራይ ከፍቅድ ይጽውዓ ኣለዋ። ብሰሉስ ምስ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ፡ ካብኲናት ክልል ትግራይ ዝሃደሙ ስደተኛታት ዝተራኸባ ፖወር፡ ድሕሪ ዑደተን ኣብ ዝሃበኦ ቃል፡ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ግጭት ኣስመሪን ተዛሪበን። እተን በዓልቲ መዚ ድማ እቲ ኲናት ብዘይቅድመ ኵነት ደው ኢሉ ህዝቢ ናብ ሰላማዊ መነባብሮኡ ዝምለሰሉ መገዲ ክድለ ተላብየን ነይረን።

ሳማንታ ፖወር፡ ብሰሉስ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሕኦ ጽሑፍ “መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ሓይልታት፡ ተጻብኦታት ኣቋሪጾም ኣብዚ መዓስከር ስደተኛታት ዘሎ ህዝቢ ድማ ናብ ቤቱ ዝምለሰሉ መገዲ ምንዳይ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ኲናት ክንደይ ኣሰቃቒ ግፍዒ ወሪዱ፡ ህይወት ሚልዮናት ድማ ተመዛቢሉ። ብቕጽበት ደው ክብል ኣለዎ፡” ኢለን ነይረን ።

ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ትዊተር መልእኽቲ እተን በዓልቲ ስልጣን፡ እቲ ግጭት ክዓርፍ እንተዀይኑ “ሓይልታት ህወሓት ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጹ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ክስሕቡ፣ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ንእለቱ ንኢትዮጵያ ጠቕሊሎም ክገድፉ፡” ዝብል’ዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና፡ ወሃብ-ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ብሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ “ኵላቶም ሓይልታት፡ ኣብቲ ብዂናት ተጸልዩ ዘሎ ከባቢ፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ከፍቅዱን ኣብ መገዲ ክልል ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክእለን” ኣዘኻኺሮም።

ኣመሪካ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ ዝውዕል፡ ናይ 149 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም እትህብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጣ ነይራ። መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ ሓገዝ ኣብ እዋኑ ንኸይበጽሕ ዝዕንቅፍ ዘሎ ምትሕልላኽ ቢሮክራሲ ክእለን ንሓገዝ ዝጸዓና መካይን ዝዓለመ መጥቃዕታት ደው ክብልን’ውን ወሲኹ የዘኻኽር ። ኣወሃሃዲ ህጹጽ ኵነታት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍዝ፡ ብሰሉስ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንጋዜጠኛታት ከም ዝነገሩዎ፡ 122 ናይ ጽዕነት መካይን ንክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ድሉዋት ኣለዋ። ነቲ ዘሎ ጋግ ንምምላእ ኣብ መዓልቲ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድሊ ግን ኣወሃሃድቲ ረዲኤት ይዛረቡ።

እቶም ኣወሃሃዲ ነቲ ኵናት ኣመልኪቶም ግሪፍዝ፤ “ፍጥነት ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ኣዝዩ ዝሑል’ዩ ዘሎ፣ ነዚ ከኣ ክንልውጦ ኣሎና። ዘይተደረተ መስመር መጓዓዝያ ምድሪ ክፍቀድ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብነፈርቲና ንመቐለ ሓገዝ ከነብጽሕ ክድቀደልና ኣለዎ። ቃል-ዓለም ዘይብሉ ቀንዲን መሰረታዊ ነገርን ግን እቲ ኲናት--ብቐንዱ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት--ደው ክብል ኣለዎ፡” ኢሎም ።

ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም በበይኖም ሓይልታት ንምዕጋትን ምትዕንቓፍን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪቶም ኢድ ከወጣውጡ ጸኒሖም’ዮም። ፈደራላዊ መንግስቲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝዓገተ ብወገን ትግራይ ዘሎ ሓይሊ’ዩ ክብል ከሎ፡ ንሳቶም ድማ እቲ ጸገም መንግስቲ ምዃኑ ይምጕቱ። ኣብ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ዝሰርሕ ላዕለዋይ በዓል-መዚ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሰትድ ፕረስ ከም ዝተዛረቦ፡ እቲ መሰረታዊ ዕንቅፋት ፈደራላዊ መንግስቲ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትካል ግብረሰናይ ሓካይም ዶባ-ኣልቦን ኖርወጃዊ ትካል ስደተኛታትን ንገለ ክፋሉ ወይ ብምሉኡ ስራሓቶም ደው ከብሉ ብሰሉስ ኣፍሊጡዎም ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሰትድ ፕረስእቶም ትካላት ኣብ ትግራይ ዝገብሩዎ ሓገዝ ከቋርጹዎ’ዮም ።

XS
SM
MD
LG