ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ንኔዘርላንድስ ኣብ እገዳ ሰደድ ኤሌክትሮኒክ ቺፕስ ቻይና ንምጽንባር ዘካየደቶ ጻዕሪ ምዕባለ ዘይምርኣዩ ተገሊጹ


ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋይት ሃውስ ንቀዳማይ ሚንስተር ኔዘርላንድስ ኣብ ዘተኣናገደሉ እዋን፡ ኔዘርላንድስ ንቻይና ኣብ ዝለኣኽ መመስርሒ ቴክኖሎጂ ዝኾነ ቺፕስ ኣብ ምእጋድ ክትተሓባበር ኣብ ምእማና ዝሰለጦ ኣይመስልን።

ዋሺንግተን ብመዳይ ኤለክትሮኒክስ ኣንጻር ተወዳዳሪታ ዝኾነት ቻይና እገዳታት ክግበር ኣገዳሲ ስትራቴጂ ኮይኑ`ሎ።

እዚ ነኣሽቱ ቺፕስ ዝብሃል ሰሚኮንዳክተር ማለት መተሓላላፊ ኤለክትሪካዊ ሓይሊ፡ ኣብ ውድድር ልዕልና ቴክኖሎጂ ዓውደ-ውግእ`ዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣመሪካ ድማ ቻይና ክፉት ዕድላት ንከይህልዋ ከቢድ ክትገብረላ`ያ ትደሊ ዘላ። ፕረዚደንት ባይደን እምበኣር፡ መራሕቲ ዓለም፡ ንቻይና ኣብ ዝለኣኽ ቺፕስ ሰሚኮንዳክተር ደረታት ክገብሩ ንኸእምኖም ይጽዕሩ ኣለው። ካብ መንጎ`ቶም መራሕቲ ሓደ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተቐበሎ ቀዳማይ ሚንስተር ዳች ማርክ ሩቲ`ዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ብሓባር ኮይና ናጻን ክፉትን ኢንዶ-ፓሲፊክ ክህልወና ንሰርሕ ኣለና። ሓቂ ንምዝራብ ድማ ብቻይና ዝመጻና ዘሎ ብድሆታት ክንገጥሞ ኣለና። ካምፓኒታትና ኮነ ሃገራትና ነዚ ዛጊት ዝገበርናዮ ኮነ ንመጻኢ ዘለና ራእይ ኣገደስቲ ኮይነን ጸኒሐን`የን። ስለዚ ሎሚ ነዚ ዘለና ምትእስሳር ሰንሰለታዊ ቀረባት ብኸመይ ክነሐይሎ ንኽእል ኣብ ዝብል ክንመያያጥ ኢና” ኢሉ።

ኔዘርላንድስ ASML ዝብሃል ካብ ዓለም ዝማዕበለ ሰሚኮንዳክተር ዘፍሪ ካምፓኒ ዘለዋ ሃገር`ያ። ነዚ`ዩ ድማ ባይደን ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝግበር እገዳ መሸጣ ቺፕስ፡ ኔዘርላንድስ ክትተሓባበር ዝሓታ ዘሎ። እንተኾነ ኣብቲ ምስ ቀ/ሚ ማርክ ሩቲ ዝገበሮ ምይይጥ ፡ንኔዘርላንድስ ኣብ ምእማና ዝሰለጦ ኣይመስልን።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር`ውን ከምዚ ኢላ ኔራ፡“ንመሓዙትና ኮነ ንመሻርኽትና ኣይንደፍአንን ኢና። ምስአን ብቐረባ ንመኻኸር፡ ንሳተን ድማ ናተን ውሳነ ይገብራ።" ንቻይና ኣገዳሲ ቴክኖሎጂ ከይቀርበላ ኣመሪካ ተካይዶ ጻዕሪ፡ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ`ዩ ጀሚሩ። ባይደን ድማ ኣብቲ ኣንጻር ቻይና ዝካየድ ጻዕሪ፡ ብፍላይ ድማ ነተን ኣብ ምፍራይ`ቲ ኣገዳሲ ቴክኖሎጂ ዓቢይ ተራ ዘለወን ካምፓኒታት መሻርኽቲ ከተሓባብር ይፍትን ኣሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ናብዚ ናብ ዋሺንግተን ዝመጸ ቀዳማይ ሚንስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሸዳ ንጻዕሪ ባይደን ከምዝድግፍ እንተኾነ ምስቲ ኣመሪካ ትደልዮ ወሰን ኢልካ ዝግበር እገዳ ግን ከምዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ዋይት ሃውስ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኔዘርላንድስ ብዛዕባ ጉዳይ ሰሚኮንዳክተር ኣየልዓለን፡ የግዳስ ኣብ ጉዳይ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብቲ ኣባል ሃገራት ኔቶ ንኪየቭ ንምሕጋዝ ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ኣተኩሩ።

ማርክ ሩቲ“ኣብዚ ዓመት`ዚ`ውን ብሓባር ብምቅርራብ ክንሰርሕ ኢና ንደሊ። ተስፋ እገብር ድማ፡ ነገራት በቲ ዩክሬን ትቕበሎ ኣገባብ ንቕድሚት ክስጉም” ኢሉ ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ባይቶ ኣመሪካ ቺፕስ ኣክት ዝተባህለ ዓንቀጽ ሕጊ ዘቤታዊ ምፍራይን ምምርማርን ሰሚኮንዳክተር ንምትብባዕ 52 ቢልየን ዶላር ዝህብ ሕጊ ኣጽዲቑ`ዩ።

በይጂንግ'ውን ብወገና ግዙፍ ገንዘብ`ያ ኣዋፊራ ዘላ። ኣብ 2015፡ ንምዕቡል ቴክኖሎጂ ዝውዕል 1.4 ትሪልየን ዶላር መዲባ። ዕላምኡ ድማ ቻይና ክሳብ 2015፡ ብሰሚኮንዳክተር 70% ርእሳ ንክትክእል ዝሕልን ፕሮጀክት`ዩ።

XS
SM
MD
LG