ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንታይዋን መሸጣ ኣጽዋር ተጽድቕ፣ ቻይና ወታሃደራዊ መናውራታት ትውስኽ


ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነታ ካብ ቻይና ወታሃደራዊ ስግኣት ይመጽኣ ከም ዘሎ እተመልክት ዘላ ታይዋን ንምሕጋዝ ጸረ-ታንክታት ፈንጂ ክሽየጠላ ኣጽዲቑ። እቲ ቮልካኖ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሄለኮፕተር ዝድርበ ጸረ-ታንኪን ሰብን ፈንጂታት ኣስታት 180 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዘውጽእ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ታይዋን እዚ ንኽሽየጠላ ጸዲቑ ዘሎ ኣጽዋራት ምስ እትዓጥቕ ነብሳ ንምክልኻል ዓቢ ኣበርኽቶ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።

ብስጕምቲ ኣመሪካ ዝተቖጥዐት ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ 71 ነፈርቲ ኲናት ብደሴት ታይዋን ኣልጊባ ከም ዘብረረት ተፈሊጡ ኣሎ። ገለ ካብተን በረራታት ንዶባት ታይዋን ሰጊረን ምብራረን’ውን ሚኒስተር ምክልኻል ታይዋን ገሊጹ።

ወሃቢ-ቃል ጉባኤ ኣመሪካ ናንሲ ፖለሲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ታይዋን ድሕሪ ምብጻሓ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ’ታ ደሴት ተደጋጋሚ ወታሃደራዊ ልምምዳት ክትግበር ምጽናሓ ይፍለጥ።

ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ታይዋን ነብሳ ንምልኻል እትወስዶ ዘላ ቅድመ-መጠንቀቕታ ይንእዱ። ካልኦት ግን ምስ ቻይና ተነጻጺራ ዝመጣጠን ሓይሊ ስለ ዘይህልዋ፡ ኣብ ክንዲ ብወታሃደራዊ መዳይ፡ ብሰላማዊን ካልእ መገዲ ነቲ ወጥሪ ከተህድኦ ከም ዘለዋ ይኣምኑ።

ቻይና፡ “ታይዋን ውዒላ ሓዲራ ክትምለስ’ያ” ዝብል ተሪር መርገጺ’ዩ ዘለዋ።

XS
SM
MD
LG