ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንምርመራ ሕማም ቲቢ ዝውዕል ናውቲ ሕክምና ንኢትዮጵያ ወፍያ


ኣመሪካ ንምርመራ ሕማም ቲቢ ዝውዕል ናውቲ ሕክምናንኢትዮጵያ ወፍያ
ኣመሪካ ንምርመራ ሕማም ቲቢ ዝውዕል ናውቲ ሕክምናንኢትዮጵያ ወፍያ

ኣመሪካ ንምርምር ሕማም ቲቢ ዝውዕል ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዋጋኡ ናውቲ ሕክምና ንኢትዮጵያ ወፍያ። ኣብቲ ብመገዲ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ኣቢሉ ዝተወፈየ 46 ዘመናውያን መርምርመሪ ማሺናት፡ ሎሚ መዓልቲ’የን ብመገዲ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ንሚኒስተር ጥዕና’ታ ሃገር ዶክተር ሊያ ታደሰ ተረኪበን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣምባሳድር ፓሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቍጽጻር ሕማም ቲቢ ዝገብሮ ዘሎ ስራሓት መጒሰን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 24,000 ሽሕ ዜጋታት ብሕማም ቲቢ ይሞቱ።እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ሰለስተ ሰባት ምዃኖም እዩ።ብመሰረት መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እተን ዝተዋህባ ማሺናትን 90% ናይቲ ዝርአ ሕማማት ቲቢ ክፍውሳ ዓቕሚ ኣለውን።

XS
SM
MD
LG