ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንመራሒ ኣል-ቓዒዳ ነበር ኣል ዛዋህሪ ምቕታላ ኣፍሊጣ


ኣል ዛዋህሪ -ፋይል
ኣል ዛዋህሪ -ፋይል

ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ዝተተኮሰ ሚሳይል፣ ንቀንዲ ተደላዪ መራሒ ኣል ቃይዳ ዝነበረ ኣይማን ኣል ዘዋህሪ ከምዝቀንጸለ፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን፣ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ኣብ እዋን ፕረዚደንታት ቡሽ፣ ኦባማን ትራምፕን፣ ኣብ ትሕቲ ጽዑቅ ክትትል ዝጸንሐ ዝዋህሪ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ናብ ዝርከቡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ ከምዝተራኸበን፣ ድሕሪ ንሱ ምኳኑ ምርግጋጽ፣ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ ምድሪ ንክጠፍእ ስጉምቲ ንክ ው ሰደሉ ኣዚዘ’የ" ኢሎም።

እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም "ካብ ቤተ ሰቡ፣ ዋላ ሓደ ሰብ’ውን ኣይተጎድአን፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰላማዊያን ሰባት ዝወረደ ጉድኣት’ውን የለን' ከምዝበሉ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG