ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንህቡብ ተቓላሳይን ተሓላቒ መሰላትን ማርቲን ሉተር ኪንግ ትዝክር


ተቓላሳይን ተሓላቒ መሰላትን ማርቲን ሉተር ኪንግ
ተቓላሳይን ተሓላቒ መሰላትን ማርቲን ሉተር ኪንግ

ኣመሪካ ሎሚ ሰኑይ 17 ጥሪ 2022 ነቲ ብዓለም ደረጃ መራሒ ሲቪላዊ መሰላት ምዃኑ ዝፍለጥ ጸሊም ኣመሪካዊ ፓስተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣፍልጦ ትህበሉ ዕለት`ዩ። ማሕበራዊ ጉዳያት ሕጂ`ውን ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ቀንዲ ተራ ሒዙ ምጉዓዙ ቀጺሉ`ሎ ።

"ንህዝቢ ኣመሪካን ንህዝብታት ዓለምን ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብ ምግስጋስ ኢና ዘለና፡ ዝኾነ ማዕበል ዓሌታውነት ድማ ደው ከብለና ኣይክእልን`ዩ።"

ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ከም መራሒ ተቓላሳይ መሰል ኮይኑ ክፍለጥ ዝጀመረ ኣብ 1955 ኣብ ግዝኣት ኣላባማ ኣብ ኣውቶቡስ ህዝቢ ዝግበር ዝነበረ ዓሌታዊ ኣፈላላይ ንኽተርፍ ኣብ ዝተቓለሰሉ እዋን`ዩ። ቀጺሉ፡ንማዕነት መሰላት ንምድፋእ ሰለማዊ ሃገራዊ ምንቅስቓሳት ክመርሕ ጀሚሩ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ 1964 ሽልማት ኖቤል ሰላም ክዕወት ከሎ፡ ሽዕኡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ሊንደን ጆንሰን፡ ሕጊ ሲቪላዊ መሰላት ፈሪሙ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ፡ሕጊ መሰል ምምራጽ ፈሪሙ። እቲ ስጉምትታት ንዓሌታዊ ኣፈላላይን ምእጋድ ምሃብ ድምጺ ጸለምትን ሕጋውነት ኣስኢኑ።

"ሕልሚ ኣለኒ፡ ሓደ መዓልቲኣርባዕተ ደቀይ ብሕብሪ ቆርበቶም ዝፍረድሉ ዘይኮነስ ብትሕዝቶ ባህርያቶም ኣብ ዝርኣዩላ ሃገር ክነብሩ ሕልሚ ኣለኒ።"

ኣብዚ ሰሙን`ዚ ሚንስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ንማርቲን ሉተር ኪንግ ክብሪ ንምሃብ ናይ ማንዛ መድረኽ ኣዳልዩ ኔሩ።

ኣብቲ ሚንስትሪ ፍትሒ ተሓጋጋዚ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንሲቪላዊ መሰላት ዝኾነት ክሪስቲን ክላርክ፡ "ዶ/ር ኪንግ ኣብ ህይወት ኩላትና ጽልዋ ኣሕዲሩ`ዩ፡ ናቱ ሓድጊ ተስፋን ንማዕርነትን ፍትሕን ዝገበሮ ሓያል ቃልሲ ድማ ኣብ እንገብሮ ዕለታዊ ስራሕና ነባሪ ኮይኑ ቀጺሉ ይርከብ" ኢላ።

ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ሲቪላዊ መሰላት`ውን እቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ንማዕረ መሰል ምምራጽ ዝገበሮ ቃልሲ ሎሚ`ውን ብዘሕምም መልክዑ ህያው`ዩ ዘሎ ይብሉ።

ሸሪል ኣይፊል ኣብ NAACP ማለት ሃገራዊ ማሕበር ምሕላቕ ጸለምቲ ፕረዚደንት ክፍሊ ሕጋዊ ጥብቅናን ማዕከን ትምህርቲን`ያ። ንሳ ከምቲ ዶ/ር ኪንግ ዝብሎ ዝነበረ ድምጺ ክንህብ ኣፍቅዱልና ቅኑዓት ደያኑና ክንመርጽ፡ ወኪላትና ክንመርጽ ትብል።

ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምኽትል ፕረዚደንት ካመላ ሃሪስ ኣብ ግዝኣት ጆርጅያ ተረኺቦም ንመቓብር ማርቲን ሉተር ኪንግ በጺሖም ኔሮም፡ ሽዕኡ ድማ ባይደን ብዛዕባ`ቲ ዝቕጽል ዘሎ ሃገራዊ ክትዕ መሰል ምምራጽ ተዛሪቡ ኔሩ።

"ኣብዚ ኣብ ጆርጅያ ጥራይ ኣይኮነን። ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 19 ግዝኣታት፡ ንመሰል ምምራጽ ዘጥቅዕ ሕጊ ኣውጺአን። ብዛዕባ መን ይመርጽ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ድምጺ ንምሃብ ከቢድ ትገብሮ እዩ ዘሎ። ነቲ ድምጺ መን ይቖጽሮ ንምዃኑ ድምጽኻ`ኸ ይቑጸር`ዶ ዝብል ሕቶ`ዩ ዘሎ።"

ሪፓብሊካውያን ግን ነነቔፈታ ባይደን ብምንጻግ፡ ኣብ ኣመሪካ ድምጺ ንምግዳብ ዘይኮነስ ድምጺ ውሑስ ንምግባር ኢና ንጽዕር ዘለና ይብሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ`ዛ ሃገር ዝተተኽሉ ምስ ዓሌታዊ ታሪኽ ምትእስሳር ዘለዎም ሓወልትታት ከምዝወርዱ ይግበር ኣሎ።

እንደገና ናብ ታሪኻዊ መደረ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ "እታ ናይ ተስፋ ሃገር ትርኣየኒ`ላ፡ ምሳኹም ብሓባር ኣይበጽሓን ይኸውን፡ ግን ሎሚ ምሸት ክትፈልጡለይ ዝደልየኩም፡ ንሕና ከም ህዝቢ ኣብታ ንምነያ ናይ መብጽዓ መሬት ክንበጽሕ ኢና።"

ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁኒየር ኣብ 1968`ዩ ተቐንጺሉ። ንዓሌታዊ ፍትሒ ዝገበሮ መደረታት ግን ንብዙሓት ንማዕርነታዊ ፍትሒ ንዝቃለሱ ሰባት ምጽላዉ ቀጺሉ ይርከብ። እቲ ጉዳይ`ዚ ሎሚ`ውን ኣብ ሃገራዊ ዘተ ኣመሪካ ማእከላይ ስፍራ ሒዙ ቀጺሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG