ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ትርከቦም ሓሙሽተ ሃገራት ኢትዮጵያ ብዘይ ክሲ ዜጋታት ምእሳር ደው ከተብል ጸዊዖም


ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ
ዋና ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓብይ ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ብብሄሮም ምኽንያት ብዘይ ኽሲ ምእሳሩ ብዝገልፁ ናይ ቀረባ ፀብፃባት ኣዚና ተሻቂልና ክብላ ሃገራት ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ዴንማርክ፡ ኔዘርላንድስ፡ ብሪጣንያን ኣመሪካን ገሊጸን ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዳር 2 ብዝኣወጆ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንተወላዶ ገለ ብሄራት ብጅምላ ንምእሳር ምኹኑይ ኣይኮነን ክብላ እተን ሃገራት ምግላፀን እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ ናይ ፅሑፍ ሓባራዊ መግለፂ አፍሊጡ’ሎ።

ፀብፃባት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ካህናት ኦርቶዶክስ ፡ ብዕድመ ሽማግለታት፡ አዴታትን ምስ ቆልዑተን ሓዊሱ ተጋሩ ብሰፍሓት ከምዝተኣስሩ ገሊፆም’ዮም ዝበለ’ቲ ሓባራዊ መግለፂ ውልቀሰባት ብዘይ ኽስን ከይዲ ምስማዕ ቤት ፍርዲን ብሕሱም ኩነታት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ፀብፃባት ኣሎ ፡ እዚ ተግባራት ዓለምለኸ ሕጊ ምስ ምጥሓስ ዝዳረግን ብሕጹጽ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ’ሎ። እቲ ሓባራዊ መግለፂ ብዘይ ዕንቅፋት ብእዋኑን ንዓለምለኸ ተዓዘብቲ ፍቃድ ክወሃብ’ዉን ንፅውዕ ኢሉ’ሎ ።

ብናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሓባራዊ ምርመራ ዝተገልፁ ምስ ጎንፂ ዝተሓሓዙ ከም ፆታዊ ዓመፅ ዝበሉ ምግሃሳት ሰብአዊ መሰላትን ዓመፃትን ከምኡ’ዉን ብኹሎም ወገናት ይፍፀም ከም ዘሎ ብቀጻሊ ፀብፃባት ዝግለፅ ዘሎ ግፍዕታት ዓሚቅ ሻቅሎትና ደጊምና ንገልፅ ዝበለ’ቲ ሓባራዊ መግለፂ፡ ኹሎም ወገናት ንሰላማውያን ሰባት ንሰብኣዊን ሕክምናን ሰራሕተኛታት ኣብ ምክልኻል ንዓለምለኸ ሕጊ ክምእዘዙን ነዚ ጎንፂ ወታሃደራዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ ንፁር’ዩ ስለዚ ኹሎም ተወሳእቲ እቲ ጎንፂ ምቑራፅ ተፃብኦ ክገብሩ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ኣለዎም ኢሉ’ሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኹሎም ወገናት ብዘይ ቅድመ ኩነትነባሪ ምቁራፅ ተፃብኦ ንምግባር ንዘሎ ኣጋጣሚ ልዝብ ክጥቀምሉን ፡ ኢትዮጵያውያን ኹሉ ሓቆፍ ህንፀት ፖለቲካዊ ከይዲን ሃገራዊ ስምምዕን ብፖለቲካውን ሕጋዊን መንገዲ ክሃንፁን ኹሎም ኣብ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኢድ ዘለዎም ተሓተቲ ኽኾኑን ኣለዎም ክብል እቲ ሃገራት ኣውስትራልያ: ካናዳ :ዴንማርክ: ኔዘርላንድስ: ብሪጣንያን ኣመሪካን ዘውፅእኦ ሓባራዊ መግለፂ ኣፍሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG