ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ክብል ጸዊዐን


ፋይል
ፋይል

መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራሊያ፡ ዴንማርክ፡ ጀርመንን ኔርዘርላንድስን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ዳግም ብምውላዑ ዝተሰምዐን መሪር ሓዘን ብምግላጽ፡ ቀንዲ ተሃሰይቲ እዚ ጎንጺ ሰላማውያን ሰባት ብምዃኖም ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተገይሩ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክእቶ ጸዊዐን።

እቲ መግለጺ ከም ዘምልክቶ ኵላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻ ፋኖን እለታዊ ምቍራጽ ተዅሲ ገይሮም ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ዕድል ክኸፍቱ ይጽውዕ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ጎንጺ ክስሕብ ዝጸውዐ መግለጺ ሃገራት ምዕራብ፡ ብዂናት ዝፍታሕ ግጭት ስለ ዘየሎ፡ ናብቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተበገሰ ዘተ ሰላም ብምምላስ፡ ፈጸምቲ ግፍዒ ዝግበኦም ፍርዲ ዝረኽቡሉ ነባሪ ሰላም ክግበር ኣተሓሳሲበን።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ብስም ደኣ ኣይጠቀስ እምበር፡ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝወጸ መግለጺ ዝምልከት ግብረ-መልሲ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣቶ የማነ ንኣንጻራዊ ባህሪ ገለ ሃገራት ምዕራብ ብምግላጽ፡ ብሓደ ወገን ኣሳወርቲ ኲናት ብኻልእ ወገን ኰነንቲ ጎንጺን ኰይነን ክቐርባ ሞራላዊ ሓለፍነት የብለንን ኢሉ።

XS
SM
MD
LG