ኣመሪካ፣ ነታ ልዕሊ 8.1 ሚልዮን ካብ ህዝባ ከቢድ ደርቂ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ኢትዮጵያ ተወሳኺ 488 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዝለገሰት ኣፍሊጣ።
ህዝቢታት ደቡብን ደቡባዊ ምብራቅን ኢትዮጵያ፣ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ርእዮሞ ዘይፈልጡ ብርቱዕ ደርቂ ኣጋጢምዎም ኣሎ። ሓረስቶት፣ ዘራእቶም ጠፊኡ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ጥሪታት በቲ ደርቂ ሞይተን'የን።
ኣመሪካ ሎም ዘበን ጥራሕ ብሓፈሽኡ 668 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣብ ምግታእ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ንክውዕል ከምዝለገሰትን፣ እንተኾነ፣ ህዝቢ ብብዝሒ ከይሃልቅን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ሰብኣዊ ጠለባት መታን ክማላእን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ዓለምለኻዊ መዳርግትን ተሓባቢሮም ንክሰርሑን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ።
ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ተጠቀምቲ ዝባጻሕ መግቢ፣ ንምግዕዓዝ ዝሕግዝ ነዳዲ ዝጻዓና መካይን፣ ካብ ጂቡቲ ከምዝተበገሳ፣ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ትሬሲ ጃኮብሰን ሓቢረን።
ኣምባሳደር ጃኮብሰን ኣብ ዘረበአን "ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ፣ ነዳዲ ዝጻዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምልኣኽ ከምተኻኣለ፣ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፣ ናብ ሙሉእ ትግራይ፣ መግቢ ክነባጽሕ ኣይካኣልናን" ከምዝበላ’ውን ዝመጸና ዜና ገሊጹ ኣሎ።
ከም ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ዝበሉ መሻርኽቲ ኣካላት፣ ኣብ ወርሒ ክሳብ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ፣ ካብ ቀረጽ ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ንከእትው መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝፈቀደ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ'ሎ።