ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ተወሳኺ 200 ሚልዮን ዶላር ብደርቂ ንዝተጠቕዓ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ለጊሳ


ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ

መንግስቲ ኣመሪካ፣ ነቲ ብድርቂ ተጠቂዑ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝለገሰ ኣፍሊጡ።

እዚ ተለጊሱ ዘሎ ዳሕረዋይ መጠን ገንዘብ፣ ብሰንኪ ደርቂ ንዝወረደ ከቢድ ጥፍኣት ንምብዳህን፣ ንጠለብ ስደተኛታት፣ ተመዛበልቲን ብሰንኪ ውግእ ኣብ ጸገም ንዝርከቡን ንምሕጋዝ ዝውዕልን እዩ።

ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ኣመሪካ ነቲ ዞባ ዝሃበቶ መጠን ልግሲ ልዕሊ 361 ሚልዮን ዶላር ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝ ሃቦ መግለጺ ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ዝተዋሃበ ሓገዝ፣ ዓለምለኸ መሻርኽቲ፣ ኣብ’ቲ ዞባ ንዝልግስዎ ሰብኣዊ ሓገዝ መግቢ፣ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን ናውቲ ጽሬትን ከምኡ'ውን መነባብሮ ንምምሕያሽ ሓጋዚ እዩ ይብል።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ከምዘተሓሳስባ ዝገለጸት ኣመሪካ፣ ህጹጽ፣ ሙሉእ፣ ውሑስን ዕንቕፋት ዘይብሉን ተበጻሕነት ትካላት ረድኤት ኣብ’ቲ ዞባ፣ ብሕልፊ ናብ’ቶም ኣብ ደርቂ ዘጥቀዖምን ግጭት ዝራኣየሎምን ከባቢታት ዘለው ሰላማዊያን ሰባት ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG