ልዕሊ 120 ሺሕ ኣፍጋናውያን ኣብ ኣመሪካ ሰፊሮም`ዮም። ተመሳሳሊ ቁጽሪ ዘለዎም ቨትናማውያን `ውን ድሕሪ ኩናት ቨትናም ኣብ ኣመሪካ ከምዝሰፍሩ ተገይሩ`ዩ። ነቲ ጻዕርታት ዳግመ-ሰፈራ ዘጋጥሞ ሕንፍሽፍሽ ብዙሓት ክኢላታት ዝነቐፍዎ`ኳ እንተኾኑ፡ ንኣመሪካ ሕብረ-ብዝሑነት ሃገር ምዃና ዘርኢ ምዃኑ ይግነዘቡ።
ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምቁጽጻሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍጋናውያን ናብ ኣመሪካ ይኣትዉ ኣለዉ- ወይ ንኽኣትዉ ኣብ መንገዲ ኣለዉ። ኣዳም በይትስ ካብ ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ምሕጋዝ ስደተኛታት- ከምዚ ይብል፡
“እቶም ስደተኛታት ናብ ካልአይቲ ሃገር ከይዶም ኣለዉ-ገሊኦም ኣብ ዶሓ፡ ገሊኦም ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣትዮም ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ኣብ ብዙሓት ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ናይ ምስላጥ መስርሕ ድማ ቀጺሉ ይርከብ ኣሎ" ይብል።
ኣዳም በይትስ ኣስዒቡ፡ እዚ ዳግመ-ስፈራ ኣፍጋናውያን ምስ`ቲ ድሕሪ ኩናት ቨትናም ዝነበረ ኩነታት ዳግመ ሰፈራ ከም ዝመሳሰል ይገልጽ። እቲ ኣብ ቨትናም ዝተራእየ ኩነታት ምውጻእ ስደተኛታት ግን ነዚ ናይ ኣፍጋኒስታን ከም መለበሚ ክኸውን ኔርዎ ይብል።
እዚ ንስደተኛታት ኣፍጋን ዝሕለቕ በዓል-ሞያ ሕጊ "ኣብ ናይ ቨትናም ኩነታት፡ እታ ናይ ኣመሪካ ሄሊኮፕተር ካብቲ ህንጻ ሲ-ኣይ-ኤ ክትበርር ከላን እቶም ድሕሪኣ ዝተረፉ ሰባትን ዘርኢ ስእሊ ብዙሓት ኣመሪካውያን ዝዝክርዎ ይመስለኒ። እቲ ስእሊ`ቲ ኣብ ኣእምሮ ነብስወከፍ ሰብ ክጸንሕ ዝግብኦ ይመስለኒ። ንዕኡ ንምውጋድ ድማ ኣዋርሕ ኔሩና`ዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ዓዲ ዝሰምዖ ኣይረኸበን- እቲ ናይ ምውጻእ መስርሕ ድማ ክሳብ መወዳእታ ደቒቕ ኣይተጀመረን:- ይብል ።
ተንተንቲ ሕጂ እቶም ብቑዓት ኣፍጋናውያን ናብ ዜግነት ዝወስዶም መንገዲ ክጽረገሎም ኮንግረስ ሕጊ ከውጽእ ኣለዎ ይብሉ ። እዚ ድማ ንኩባውያን ስደተኛታት ኣብ 1960`ታት፡ ንናይ ዒራቕ ኩርዳውያን ኣብ 1990`ታት ከምዝተገብረ ይገልጹ።
ካብ ሕጊ ምውጻእ ብተወሳኺ ብፈደራል ዝምራሕ ከም ገንዘብን ሓይሊ ሰብን ዝበሉ ዓቕምታት`ውን ብቕልጡፍ ከምዘድልይ ፡ ከምኡ እንተ ተገይሩ ድማ እቲ መጻኢኦም ብሩህ ከምዝኸውን እቶም ክኢላታት ይኣምኑ። ሓደ ካብኦም ምስ ኣትላንቲክ ኮንስል ዝሰርሕ ቶማስ ዋሪክ`ዩ፡
"ብብዙሕ መንገድታት፡ ኣመሪካ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኣመሪካ ከምዝጽንበሩ ኣብ ምግባር ብዙሕ ዓወታት ኣመዝጊባ`ያ። ኩል ግዜ ዕሩይን ቀሊልን ኔሩ ማለት ኣይኮነን- እንተኾነ ኣመሪካ ሕብረ-ብዙሕነት ሃገር ምዃና ዘመስክር`ዩ ኔሩ- እዚ ድማ ጽቡቕ ነገር`ዩ- ምኽንያቱ ኩሉ ኣብዚ ዘሎ ሰብ ካብ ካልእ ዝመጸ`ዩ- ስለዚ ኣካል ባህሊ ኣመሪካ`ዩ" ።
እንተኾነ ንኣፍጋናውያን ስደተኛታት ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዳግም-ምስፋሮም ኩሉ ኣይኮነን ሕጉስ ገለ መራሕቲ ሪፓብሊካንን ኣብ ኢሚግረሽን ጽኑዕ ደረት ክግበር ዝደልዩን ወገናት ድማ፡ ኣሸበርቲ ናብ ኣመሪካ ንከይኣትዉ ንምርግጋጽ ዘኽእል እኩል ናይ ምጽራይ ዓቕምታት የለን ዝብል ሻቕሎት የስምዑ`ዮም። እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዝወጸ ርእይቶ ህዝቢ ከምዘርእዮ እንተኾይኑ፡ ዝበዝሑ ኣመሪካውያን ነቲ ጻዕርታት ዳግመ ሰፈራ ዝድግፉ`ዮም።