ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ብኮቫክስ ኣቢላ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን ፈረቓን ዶዛት ክታበት ፋይዘር ንኢትዮጵያ ሂባ


ኣመሪካ ብኮቫክስ ኣቢላ ንኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሚልየንን ፈረቓን ዶዛት ክታበት ፋይዘር ከምዝሃበታ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ።


ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ቦሌ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዝበፅሐ ነብስወከፉ 840,060 ዶዛት ክታበት ዝሓዘ ፅዕነት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 17 ሓምለ 2021 ዝተዋህበ ሓገዝ ብሓፈሻ ብህዝቢ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ናብ 6.1 ሚልየን ኣብፂሑዎ`ሎ፡እዩ እዚ ድማ ብጥንቃቀ ፣ ፍትሓዊን ብዘይገለ ምብኻናትን ይባፅሕ ምህላዉ ነቲ ቀንዲ ህይወት ናይምድሓን ዕላማና ዘዐውት እዩ ክብል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ጠቒሱ`ሎ።


እቲ መግለጺ ፅርየቱ ዝሓለወን ውፅኢታዊን ዝኾነ ክታበት ጥራሕ እዩ ዕድመ እዚ ለበዳ ነሕፅረሉ መሳርሒ ፡ ብሙኳኑ ኣሜሪካ 1.1 ቢልየን ክታበታት ኮቪድ19 ብምግዛእ ንዓለም ንምሕጋዝ ቃል ዝኣተወት ክትከውን ከላ ዛጊድ ድማ 365 ሚልየን ክታበታት ንልዕሊ 110 ሃገራት ኣባፂሓ ትርኸብ ይብል ።


እቲ ሎሚ ዝተፈነወ መግለፂ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እዞም ክታበታት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ማእከል ምክልካልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ብሙዃን በቲ ዘሎ ሎጂስቲካዊ መንገዲ ኣቢሉ ብኮቫክስ ተበግሶ ኣብታ ኣህጉር ምብፃሕናን ንምትሕብባር ክንቅፅል ኢና ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG