ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ብዂናት ንዝተጎድኡ ዝውዕል ልዕሊ 250 መትሪክ ቶን ሓገዝ ኣበርኪታ


ኣብ እዋን ምርኽካብ'ቲ ሓገዝ
ኣብ እዋን ምርኽካብ'ቲ ሓገዝ

ኣመሪካ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ ዂናት ንዝተጎድኡ ዝውዕል ልዕሊ 250 መትሪክ ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ኣበርኪታ።

እቲ ሎሚ ብመንገዲ ኣይ.ኦ.ኤም ማለት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ንክዕድል ዝተዋህበ ረድኤት ነቶም ብዂናት ዝተጎድኡ ብኣሽሓት ዝቑጽሩ ሰባት ንምሕጋዞም ዝውዕል ምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ትረይሲ ጃኮብሰን ኣፍሊጣ`ላ።

እቲ ንሓላፊ ኣይ.ኦ.ኤም ኣብ ኢትዮጵያ ጂያን ዝሆን፡ ንምኽትል ኮሚሽነር ህጹጽ ረድኤት ኢትዮጵያ ኣቶ ነሲቡ ያሲንን ዝተዋህበ ቐረባት ረድኤት ልዕሊ 1.5 ሚልየን ዶላር ዝግመት ምዃኑ ኣብቲ ሎሚ ዝተገብረ ምርኽኻብ ተጠቒሱ`ሎ።

እቲ ረድኤት ኣካል ናይቲ ኣመሪካ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ዝሃበቶ ኣስታት 900 ሚልየን ዶላር ምዃኑ`ውን ኣብቲ ዝመጻና ዜና ተጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG