ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ብሞት ንግስቲ ኤልሳበጥ ሓዘና ትገልጽ


ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ስነ ስርዓት ሓዘን ፈጺሙ።

ፕረዚደንት ባይደን፣ ነተን ነዊሕ ዓመታት ዝነገሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንሓያል ጽምዶ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣበርክቶ ከምዝነበረን ገሊጾም።

ኣባሃህላ እቶም ፕረዚደንት ንጹር ዝኾነ፣ፍሉጣት ኣመሪካዊያን፣ ንፕረዚደንታት ሓዊሱ ምስክርነቶም ስለዝሃቡ’ውን እዩ ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ መራሕቲ ሃገራት፣ ብሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።

ሓዳስ ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ፣ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ፓርላማ’ታ ሃገር ቀሪበን ክዛረባ ከለዋ "ሓዳስ ብሪጣንያ ዝተመስረተትሉ መሰረት እየን" ክብላ ንኢደነአን።

ሕብረት ኣውሮጳ ብግዲኡ፣ ንኣርምኡ ትሕት ኢሉ ንክንብልበል ወሲኑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG