ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ብሓይልታት ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ግህሰታት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይዝ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይዝ

ኣመሪካ: ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣዚዩ ኣሰካፊ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ጭካነታትን ዕንወት ህዝባዊ ትሕተ ቅርጺ ምፍፃሞም ዝገልፁ ዘይተረጋግፁ ሓደሽቲ ፀብፃባት ኣዚዩ ከምዘተሓሳስባ ገሊፃ።

እቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይዝ ዝወፀ መግለፂ ኩሎም ዕጡቓት ተዋሳእቲ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ንዝፍፀም መጥቓዕቲ ደው ከብሉ ንፅውዕ ይብል።ሰበስልጣን ነቶም ፀብፃባት ክምርምሩን ፈፀምቲ ኣካላት ተሓተቲ ንምግባር ንኹሉ ዝሓቖፈ ብግልፂ መስርሕ ክምርምሩን ነተሓሳስብ ይብል።

እቲ መግለፂ እቲ ፈላማይ፣ናይ መወዳእታን እንኮን ተፃብኦ ደው ንምባል መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከብቅዕ፣ብዘይቅድመ ኩነት ልዝብ ምክያድን ብዘይ ዕንቕፋት ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ምፍቃድን ሓቋፊ ሃገራዊ ዘተ ምክያድን ምዃኑ ኣመሪካ ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ንምሕጋዝ ደጊማ ተረጋግፅ ይብል ።

XS
SM
MD
LG