ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 130 ሽሕ በጺሑ


testing

ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 130 ሽሕ ምምዝጋቡ ጸብጻብ ጆን ሆፕኪን ዩኒቨርስቲ ትማሊ ሰኑይ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጸብጻብ ጆን ሆፕኪስን ዩኒቨርስቲ ኣብ ኣመሪካ 2.9 ሚልዮን በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ከምዘለው ሓቢሩ። በዚ ድማ ኣመሪካ ቫይረስ ኮሮና ብዘስዓቦ መልከፍትን ሞትን ኣብ ዓለም መሪሕነት ሒዛ ከምዘላ እቲ ጸብጻብ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ኣረዲኡ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ሓድሽ ወርሒ ሓምለ ጥራይ ኣብ ኣመሪካ መዓልታዊ 50 ሽሕ ሓደሽቲ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ከምዝተመዝገበ ተፈሊጡ። ላዕለዋይ ክኢላ ተላባዒ ሕማማት ኣመሪካ ዝኾነ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ኣመሪካ ጌና ኣብ መዓሙቕ ናይቲ ለበዳ ትርከብ ክብል ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ ማእከል ስሕበት ቫይረስ ኮሮና ኮይና ትርከብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ክትኸውን እንከላ ብውሑዱ ኣብ መዓልቲ 8, 700 ሓድሽ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ምምዝጋባውን ተጠቒሱ እዩ።

XS
SM
MD
LG