ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ናብ ንቡር ክምለስ ድልየታ ምግላጻ ተሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ድልየታ ከምዝኾነ ምግላጻ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል’ቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ሓሙስ ክዛረቡ ከለው ሓድሽ ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝነበሮም መገሻ፣ መብርሂ ብምሃብ "ፍሉይ ልዑኽ ዴቪድ ሳተርፊልድ፣ ኣብ ትሕቲ ምጥርጣር ወዲቁ ዝነበረ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት፣ ናብ ንቡር ንምምላስ ዕላማ ዝገበረ’ዩ" ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ትማሊ ወግዓዊ ዝተገብረ ሹመት ኣምባሳደራት፣ ሞያ ዲፕሎማሲ መሰረት ዝገበረን ቁጠባ ወጻኢ ኣብ ግምት ዘእተወን እዩ ከምዝበሉ፣ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ቅሩብ ከምዝኾኑ ገሊጾም ንዝብል ሪፖርት ኣሶሴትድ ፕረስ ከምዝነጸግዎ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG