ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ: መንግስቲ ኢትዮጵያን ተሳተፍቲ ግጭት ክልል ትግራይ ዝኾኑ አካላትን ኲናት ደው ብምባል እገዳ ከወግዱ ከምዝክእሉ ትገልጽ


ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ሓገዝ መግቢ እንዳሃበ- ጎንደን
ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ሓገዝ መግቢ እንዳሃበ- ጎንደን

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ህወሓትን ካልኦት ተዋጋእቲ ሓይልታትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከብቅዕን ሰብኣዊ ረድኤት ንብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክበፅሕን መንግስቲ ኣመሪካ ኣተሓሳሲቡ። ግጭት ጠጠው ክሳብ ዘይበለ ቀንዲ ሰበስልጣን ናይ ጉዕዞን ናይ ገንዘብን እገዳ ካብ ኣመሪካ ክገጥሞም እዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተሓጋጋዚ ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን ክልቲአን ሱዳንን ብሪያን ሃንት ትማሊ ሶኑይ ብኦንላይን ኣብ ኣብዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ኣመሪካ እቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ግጭት ክልል ትግራይ ከብቅዕ ይደሊ እዩ ኢሎም።

‘’ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ዝመፁ እንተኾይኖም: ኣመሪካ ዝደኸመ ቁጠባ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድልውቲ እያ’’ ኢሎም።

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ዝፈረሙዎ ናይ እገዳታት ትእዛዝ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምትታት ሰበስልጣን ኣመሪካ መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ናይቲ ግጭት ተሳተፍቲ ኣካላት ናብ ልዝብ ዘይመፁ እንተኾይኖም ዝውሰድ ናይ እገዳታት ስጉምቲ ካብ ኣብ ዝተመረፁ ሰባትን ትካላትን ሓሊፉ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዒላማ ከምዘይገብር ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተሓጋጋዚ ምኽትል ሚንስትርብሪያን ሃንት ወሲኾም ገሊፆም።

ንሶም ወሲኾም ኣሜሪካ ሰብኣውን ካልኦት ሓገዛትን ምሃባ ከም እትቕፅል ተዛሪቦም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG