ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ናይ 9.5 ሚሊዮን ዶላር ሓድሽ ፕሮግራም ኣብ ኣዳማ ጀሚራ


ኣመሪካ ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ናይ 9.5 ሚሊዮን ዶላር ሓድሽ ፕሮግራም ኣብ ከተማ ኣዳማ ጀሚራ።እቲ ፕሮግራም ምስ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዓሶ ክሳብ 2030 ንምጥፋእ ዝሰርሕ እዩ።

እቲ ተበግሶ ኣዳማ ኣብ ዝርከብ መሰልጠኒ ማእኸል ዓሶ ኣብ ዝጀመረሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ሽያን ጆንስ: ምክትል ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፣ምኽትል ሚንስትር ፋይናንስን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ሰመረታ ሰዋስውን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ዶክተር መንግስቱ በቀለን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣመሪካ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሶ ንምቁፅጻር ዝውዕል ልዕሊ 480.5 ሚሊዮን ዶላር ኣፍሲሳ ኣላ።ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ሕማም ዓሶ ብፍርቂ: ሞት ድማ ብኣስታት 90% ምጉዳሉን ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG