ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካዊት ገጣሚት ሉዊስ ግላክ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ኖቤል ስነ-ጽሑፍ ኮይና


ኣመሪካዊት ገጣሚት ሉዊስ ግላክ፥ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ኖቤል ስነ-ጽሑፍ ኮይና።

ነቲ ሽልማት ዝህብ ናይ ሽወደን ኣካዳሚ ነታ ገጣሚት ከድንቓ ኸሎ፥ ንውልቃዊ ህላወ ኣድማሳዊ መልክዕ ዘትሕዝ ፍሉይ ግጥማዊ ድምጺ እትውንን ገጣሚት ክብል ገሊጽዋ።

ሊዊስ ግላክ 12 ናይ ግጥሚ መጻሕፍቲ ዘሕተመት ኮይና- ቅድሚ ሎሚ`ውን ከም ሽልማት ፑሊትዘርን ሃገራዊ ሽልማት መጻሕፍትን ዝበሉ ሽልማታት ዝተዓወተት`ያ።

ሽልማት ኖበል ስነ-ጽሑፍ ካብ መንጎ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝውሃብ ዘሎ ሽልማታት ኖቤል`ዩ- ንነብስወከፍ 1.1 ሚልየን ዶላር ዘለዎ ምዃኑ`ውን ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG